Tuesday , May 7 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንሓደስቲ ክታበት ኮሮና፡ ተፈላጥነት ንምሃብ ይሰርሕ

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ፈተነ ዕዉታት ኮይኖም ዘሎዉ ብትካላት መድሃኒት፡ ፋይዘርን ቢዮንተክን ከምኡ ዉን ሞደርና  ዘፍረዮም ክልተ ዓይነት ክታበት ተፈላጥነት ክህብ ኣብ ምድላዉ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቶም ክታበት፡ ኣብ መስርሕ ኣገልግሎት ሕክምና ኣባል ሃገራት ክዝርግሑ ከምዝኾኑ ኣደ መንበር እቲ ሕብረት፡ ኡርሽላ ቫን ዴለይን፡ ኣፍሊጣ። 

ነዚ ኣመልኪቱ ኤውሮፓዊ ሕብረት ኣብ ዘዉጽኦ መግለጺ፡ በዓል መዚ ተቖጻጻሪ መድሃኒታት ኤዉሮጳ፡ ንጠቕላላ መስርሕ ናይቶም ክታበታት ብምግምጋም ንመዓላ ከዉዕሎም ዝኽእል ተፈላጥነት ንምሃብ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እዚ መስርሕ ብግቡእ እንተተሳሊጡ፡ መላእ ሃገራት ኤዉሮጳ፡ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት፡ ክታበት ኣንጻር ኮሮና፡ ኣብ መዓላ ሕክምና ክዉዕል ምኻኑ እታ ኣደ መንበር ኣገንዚባ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com