Friday , April 26 2024

ኣብ ሪንክቢ ዝነብሩ ወለዲ፡ ኣብያተ ቤት ትምህርታት እኹል ጻዕሪ ከምዘየካይዳ ይዛረቡ

ደቆም፡ን ማሕለኻ ቋንቋ ሽወደን ብምብዳህ ናብ ላዕለዋይ ደርጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ክጽንበሩ ክኽእሉ ምእንቲ፡ ኣብያተ ቤት ትምህርታት፡ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብራ ኣብ ሪንክቢ ዝርከቡ ወለዲ ምስ ኣገልግሎት ዜና SVT ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ጸዊዖም።

ደቅና ቋንቋ ሽወደን ክመሃሩ ዝያዳ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ ክትብል ሓንቲ ኣደ ገሊጻ።

ብፍላይ ብማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት፡ ኣብ ሰንኰፍ ኩነታት ዝርከባ ከባቢታት ነቲ ብድሆ ኣብ ምግጣም ሽግር ከም ዘለወን ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ያርቫ ዝርከቡ ህጻናት፡ ትነጽሎ የጋጥሞም ስለዘሎ፡ እተን ቤት ትምህርታት ዝያዳ ጻዕርን ኣቓልቦን ክገብራ እቶም ወለዲ፡ ደጊሞም ጸዊዖም።

ንደቅና ኣብ ገዛ ክንምህሮም እኳ እንተፈተና፡ እኹል ከምዘይኮነ ግን ይርደኣና  ክትብል ሓንቲ ኣደ።

ሓላፊ መባእታ ቤት ትምህርቲ ያርቫ፡ ሃፒ ኣረንቬል፡ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ኣብያተ ትምህርታት ብዙሕ ጻዕሪታት ይገብራ ምህላወን ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ ያርቫ ዘለዉ፡ ዝያዳ እቶም ኣብ ማእከል ስቶክሆልም ዘለዉ ተማሃሮ፡ ገንዘብ ኣይወጻሎምን እዩ። ኣብ ያርቫ፡ ብቕዓት መማህራን ብሚእታዊት ክምዘን እንከሎ 84.5 ምዃኑን እዚ ድማ ትሕቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ማእከላይ ገምጋም ምዃኑ ይፍለጥ። ማእከላይ ገምጋም ብዝሒ ተማሃሮ ምስ ብዝሒ መምህራን ክነጻጸር እንከሎ ካብቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ማእከላይ ገምጋም ዝወሓደ  እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ውን እኹል ከምዘይኮነ እዩ ዝንገር ክትብል ሓቢራ።

ካልእ ስራሕ እናካየድና፡ ጉዳይ ቋንቋ፡ ልዕሊ ካልኦት ንጥፈታት ኣቓልቦ ንገብረሉ ከምዘለና ዝፍለጥ እዩ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

እዚ ክብሪ ዘለዎ እንተኾነ፡ እቲ ዝድለ ውጽኢት ግን ኣይሃበን። ስለዚ፡ ኣብ ያርቫ፡  ልዑል ብቕዓት ዘለዎም መምህራን ንምቑጻር ዘኽእል ልዕል ሰሓብነት ዘለዎም ነገራት ምፍጣር ከድልየና እዩ ድማ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com