Sunday , May 19 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ኣብ ዮቶቦሪ ኣብ ዝርከባ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዮቶቦሪ ዝርከቡ ተማሃሮን ኣባላትን ናይ 50 ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ብቫይረስ ኮሮና ይልከፉ ከምዘለዉ ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪ ገሊጹ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ሰበ ስልጣን ምክልኻል ለበዳን ምምሕዳር ቤት ትምህርታት ዮቶቦሪን ብሓባር ኮይኖም፡ ነተን ቤት ትምህርታት ብከፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ከመሓላልፉ ከምዝኽእሉ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሕ ናይ ሰለስተ ቤት …

Read More »

ናይ ዓማዊሉ፡ መጠን ሙቐት ሰውነት፡ እናዓቀነ ዘእቱ ቤት ምግቢ

ኣብ ኣቨኒን (Avenyn)፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከብ ቤት መግቢ፡ ዓማዊሉ ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ንምርግጋጽ፡ ሙቐት ሰውነቶም እናዓቀነ የአንግድ ምህላዉ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን (Göteborgs Posten) ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና፡ ሰባት፡ ምልክታት ሕማም ከምዘይብሎም ንምርግጋጽ፡ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ክጥቀምሉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሎቪን፡ ተወሺቡ

ሓደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ቀረባ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ድሒሩ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፈ ዝፈለጠ ሰብ ተራኺቡ ብምንባሩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን በዓልቲ ቤቱን ብገዛእ-ርእሶም ከምተወሸቡ ተፈሊጡ። እቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቀረባ ዝኾነ ሰብ፡ መርመራ ኮሮና ኣካይዱ፡ ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኑ’ኳ እንተ ተፈልጠ፡ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ግን ክንውሸብ ከምዘለና፡ ሓኪም መኺሩና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክልተና፡ ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት …

Read More »

ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ

ምምሕዳር ኦፕሳላ፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 1:00 ድ.ቐ. ዝጀመረ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ (stabsläge) ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ። መጠን ብኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ብናህሪ ይውስኽ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቁጽሪ ሕክምናዊ ምክትታል ዘድልዮም ሰባት እናዓበየ ስለዝኸደ፡ ውሳኔ ንኽንወስድ ተወኪልና ንምትግበሩ ድማ ጀሚርና ኣለና ክብል ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና’ታ ምምሕዳር፡ ሚካኤል ኮለር፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 02 11 2020

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 30/10/2020

ገለ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና፣- ባዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ብደረጃ ዞባታትን ሃገርን ሓድሽቲ መምርሕታትን ምኽርን ብምዉጻእ ኣብ ተግባራዊነት ኣትዩ።ቤት ምኽሪ ቅዋም ሽወደን ንኣታሓሕዛ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጉዳይ ኮሮና ከመይ ከምዝነበረን ዘሎን ንምግምጋም መርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

Read More »

ምምሕዳር ሊንሾፒን፡ ከባብያዊ ቀይድታት ከተተግብር ጀሚራ

ምምሕዳር ሊንሾፒን፡ ዋንነት’ታ ምምሕዳር ዝኾኑ መሐንበሲን ባህላውን ማሕበራውን ንጥፈታት ዝካየደሎም ቦታታት ክዓጹ ምዃኑን ብተወሳኺ ድማ ብጀካ ንትምህርታዊ ንጥፈታት እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ናይ መንእሰያት ንጥፈታት ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታታት ውን ክዓጹ ምምዳቡ ተፈሊጡ። እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ነቲ ትማሊ ሓሙስ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝቐረቡ ምኽርታት መሰረት ብምግባር ዝተወሰኑ እዩም። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ንምምሕዳራት ስቶክሆልም፡ ቬስትራጎትላንድን ኦስተርጎትላንድን …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ንወጻኢታት መርመራታት ኮሮና ንምሽፋን ተወሳኺ 3 ቢልዮን ክሮን ሰሊዑ

ንመርመራታት ኮሮና ተባሂሉ ዝግበር ወጻኢታት ንምሽፋን፡ መንግስቲ፡ ናይ 3 ቢልዮን ክሮን ተወሳኺ ገንዘብ ክድጉም ምዃኑ ተመባጺዑ ክብሉ ጸብጻባት TV4 ሓቢሮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንተመሳሳሊ መዓላ ተባሂሉ ተሰሊዑ ዝነበረ ገንዘብ ክውዳእ ብምቕራቡ እዩ። እዚ ተወሳኺ ድጎማ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዘሎ ግዜ ከጻንሕ ከምዝኽእል ይንገር። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ብዙሓት ከባቢታት ሽወደን፡ ብሰንኪ ጠለብ መርመራ ኮሮናን ጸረ …

Read More »

መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምውሳኹ፡ ምምሕዳር ኦስተርጎትላንድ፡ ከባብያዊ ቀይድታት ንምትግባር ከም ኣማራጺ ትሓስበሉ ኣላ

ኣብ ምምሕዳር ኦስተርጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናዛይደ ይመጽእ ስለዘሎ፡ እታ ምምሕዳር፡ መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ንኸተመሓላልፍ ምእንቲ፡ ትዘራረብ ከምዘላ ተፈሊጡ። መምርሒታት ከባብያዊ ቀይድታት ኮሮና ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ግን፡ እዚ መምርሒ ስለዘይተመሓለለፈ፡ ተቐማጦ እዚ ምምሕዳር ዝኾኑ ሰባት፡ ነቲ ዘሎ መምርሒታት ከተግብሩን ክኽተሉን ከምዝግባእ። ንሕና፡ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣብ ምንዳይ ኢና ንርከብ ዘለና ክትብል ሓላፊት ጥዕና እቲ ምምሕዳር፡ ጀሲካ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 28/10/2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com