Sunday , May 5 2024

SBAB: “ዋጋ መነባብሮ ንስድራቤታት ይውስኽ ኣሎ”

ሓድሽ ኣሃዛት ባንክ SBAB ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን ማእከላይ ዋጋ መነባብሮ ገዛ ዝውንኑ ስድራቤት ካብ 2021 ጀሚሩ ብ 100 ሽሕ ክሮና ወሲኹ’ሎ። ዋላ’ውን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዋጋታት ጸዓት፡ ነዳድን ናፍታን ከምኡ’ውን ክፍሊት ወለድ ንብረት ትሕጃ እንተወረደ፡ ንማእከላይ ስድራቤት ዝኸውን ወጻኢታት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ገና ክውስኽ ምዃኑ እቲ ባንክ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ SBAB ክኢላ ስነ-ቑጠባ ሊንዳ ሃሰልቪክ ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ቅልጡፍ ወሰኽ ዋጋ መነባብሮ፡ ንስድራቤታት ስንባደ ፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com