Friday , May 3 2024
(AP Photo/Visar Kryeziu) XVK109

UN: ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዩክሬናውያን ተሰዲዶም።

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣብ ዝሓለፋ 10 መዓልታት ጥራይ 1.5 ሚልዮን ዩክሬናውያን ከም እተሰደዱ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፕ ግራንዲ ገሊጹ።

እዚ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝተኸስተን ብፍጥነት ዝዓቢ ዝሎን ቅልውላው ሰተኛታ እዩ ኢሉሎ ግራንዲ– ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር ጽሑፍ።

ብስንኪ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 4 ሚልዮን ዩክሬናውያን ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ UN ስግኣታቱ ገሊጹሎ። ገለ ክኢላታት ግና ቊጽሪ ተሰደድቲ 10 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ትንበያኦም ኣቐሚጦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com