Wednesday , May 1 2024
(AP Photo/Sergei Grits) RUS115

UN ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን በጺሑ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝጅመር 10 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ዩክሬናውያን ካብ ሃገሮም ከም እተሰደዱ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ኣፍሊጡ።

ትማል ሰኑይ ጥራይ 1,735,068 ስደተኛታት ከም ዝምዝገበ ዝገለጸ UNHCR እዚ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረ መዓልቲ እተመዝገበ ኣሃዝ እንክወዳደር ናይ 200,000 ወሰኽ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።

ፍርቂ ካብዞም ስደተኛታት ቆልዑ ምዃኖም ማዕከን ቆልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ገሊጹ’ሎ።

ኣውሮጳ ክሳብ 5 ሚልዮን ንዝበጽሑ ስደተኛታት ዩክሬይን ንምቕባል ድልውቲ ክትከውን ከም ዘለዋ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዮሴፍ ቦረሊ ኣፍሊጡ። ቦረሊ ነዚ ዝበለ ኣብ ሞንትፐሌር ፈረንሳ ዝካየድ ኣኼባ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣቐድም ኣቢሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com