Sunday , May 5 2024
(AP Photo/John Minchillo) NYJM102

UN–ብውሕዱ 64 ሲቪላውያን ዩክሬይን ሞይቶም ኣለዉ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ካብ ዝኽሰት ካብ ሓሙስ ንደሓር 64 ሰቪላውያን ዩክሬይን ከም እተቐትሉ ምርግጋጹ UN ገሊጹ።

እዚ ኣሃዝ ክሳብ ብቕድሚ ትማል ቀዳም ምሸት ዝነበረ ምዕባለታት ጥራይ ከም ዘጠቓልል ዝገለጸ ጸብጻብ ኖርዌይ ቱደይ ኣዝዩ ጽፉፍ ናይ ሓበሬታ ምእካብ ኣገባብ ተጠቒሙ ኣብዚ ኣሃዝ ከም ዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጒዳያት ውድብ ሕቡራት ሃገራት –ኦቻ–ኣፍሊጡ። ብዙሓት ግዳያት እዚ ወራር ደሃዮም ገና ስለ ዘይፍለጥ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ መወትቲ ካብዚ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ ጸብጻብ ኦቻ ወሲኹ ገሊጹ።

ትሕተ ቅርጺ ሲቪላውያን ብምዕናዉ ኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ማይን ኤለትሪክን ክጥቀሙ ከም ዘይከኣሉን እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ፡ ምብራቓዊን ደቡባዊን ክፋል ዩክሬይን ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ኣሎ–ብመሰረት ኦቻ። ክሳብ ዓርቢ ብ ዝቐረበ ጸብጻብ ኦቻ ብሰንኪ ደብዳብ ሰራዊት ሩስያ 25 ሲቪላውያን ዩክሬናውያን ምዉታት 102 ከኣ ቊሱላት ምዃኖም ተገሊጹ ኔሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com