Thursday , May 2 2024
Credit: Jeanette Andersson/Skatteverket, Bezav Mahmod/SvD/TT

ቲኬታት ሲነማ ኣብ ““ፍሪስክቫርድስቢድራግ” ኣቱዋት ክኾኑ ጻውዒት ቀሪቡ።

“ፍሪስክቫርድስቢድራግ” ኣስራሕቲ ሰራሕተኛታቶም ኣብ ጥዕናዊ ረብሓ ዘለዎ ንጥፈት ንኽሳተፉ ዘተባብዕ ካብ ቀረጽ ናጻ ዝኾነን
ክሳብ 5000 ክሮና ዋጋ ዘውጽእ ኬር (በነፊት) እዩ። እዚ “በነፊት” ስፖርትን ካልእ ኣካላዊ ንጥፈትን ዘጠቓልል እዩ። ኣብዚ
ሕጂ እዋን ጒጅለታት ዝዓበያ ሲነማታት ሽወደን፥ ቲኬታት ሲነማ ኣብዚ ዝርዝር እቱዋት ክኾኑ ዝብል እማመ ዝሓለፈ ሰሙን
ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብዛዕባዚ “ጥዕናዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ንጥፈት” ዝብል ሓረግ ዝሰፍሐ ኣጣምታ ምሓዝ ከድልየና እዩ" ክትብል
ኣብ ዝዓበየ ሲነማ ሽወደን -“ፊልምስታደን” ሓላፊት ዕድጊ ሄለና ኤክሉንድ ሓሳብ ኣቕሪባ’ላ።
“ሲነማ ብሳየንስ ከይተረፈ ብዙሕ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ንጥፈት እዩ። ሰባት ካብ ውጥረት ንምግልጋል ናብ
ሲነማታት ይመጹ እዮም። ኣውሮጳዊ ሓብረት ንባዕሉ “ባህሊ ንጥዕና” ብዝብል ኣብ ዘዳለዎ ልዕሊ 300 ናይ መጽናዕቲ
ወረቓቕቲ፡ ባህላዊ ንጥፈታት ንሰባት ከም ዝሕግዝ ኣረጋጊጹ እዩ። እማመና ነዚ ተረኽቦታት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ብዘይካዚ
ሲነማ ብዋጋ እውን እቲ ዝሓሰረ ኣገባብ ተሃድሶ እዩ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
እንተኾነ ግና ኣብ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን “ጠበቓ ቀረጽ” ፒያ ቶርንሩስ፥ ቲኬታት ሲነማ ኣብዚ “በነፊት” እቱዋት ክኾኑ ኣይክእሉን
እዮም በሃሊት እያ። “እዚ በነፊት ብመሰረቱ ልሙድ ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ከምኒ ማሳጅ ዝበሉ ቅልል ዝበሉ ክንክናትን ጥራይ
እዩ ዝሽፍን። ስለዚ ድማ በዚ ዘሎ ሕጊ ሲነማ እቱው ክኸውን ዝከኣል ኣይመስለንን። እዚ ንምግባር ነቲ ሕጊ ምልዋጥ ከድሊ
እዩ” ክትብል ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com