Thursday , May 2 2024

ትርጉም ሰዓት ዓሰርተን ዓሰርተን

ሰዓት፡ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን’ዩ ክቀላቐል ጀሚሩ። ኣብ’ቲ እዋን ዝነበራ ሰዓታት፡ ብንፋስ ተሓጊዘን ይሰርሓ ነበራ። ብዘይካ’ዚ ሰባት ብጽላሎት ተሓጊዞም፡ ሰዓት ክንደይ ከም ዘሎ ይፈልጡ ከም ዝነበሩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይገልጽ። ኣብ 17 ክፍለ ዘመን፡ ነቲ ብንፋስ ተሓጊዙ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰዓት፡ ብሓይሊ ዝህብ ጸዓት ከም ዝሰርሕ ምስ ተገብረ::

ሰዓት ኣብ ዝኾነ ቦታ ከም ዝሰርሕ ኮይኑ ቀረበ። ሰዓት ኣብ እንገዝኣሉ እዋን፡ ኣይነስተብለሉን ንኸውን ደኣ’ምበር፡ ኣብ ሰዓት 10፡10 ደው ኢላ እያ ትጸንሓና። ስለምንታይ እዩ ሓድሽ ሰዓት ክንገዝእ እንከለና ኣብ ቁጽሪ 10፡10 ደው ኢላ ትጸንሓና? ስለምንታይ ኣብ ካልእ ዘይትጸንሕ? ኢልና ሓሲብና ንፈልጥዶ?

፠ ‘ሰዓት መጀመርታ ግዜ ክትምሃዝ እንከላ፡ ሰዓት ኣብ 10፡10 እያ’ ጸኒሓ ብምባል ብዙሓት ትካልት ከም ዘላታ ተቐቢለን ይጥቀማላ ነረን’የን። ስለምንታይከ ኣብ 10፡ 10 ደው ኢላ እንከላ፡ ንመሸጣ ትቐርብ ንዝብል ሕቶ ግን ምላሽ ክህባ ኣይከኣላን፡ እንተኾነ ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሰዓት ክትመሃዝ ከላ ልክዕ ሰዓት 10፡10 ከም ዘይኮነት’ዮም ዝገልጹ። ብተወሳኺ’ውን ብዙሓት ሰባት ንኣመጻጽኣ ሰዓት 10፡10 ምስ ፖለቲካ፡ ሃይማኖት፡ ተፈጥሮኣዊን ባህርያውን ነገራት ብምትእስሳር ዝተፈላለዩ መግለጺታት ክህቡ’ዮም ተራእዮም።

፠ ሰዓት ቅድሚ 10፡10 ዝብል ቁጽሪ ሒዘን ምምጽአን፡ ሰዓት 8፡20 ኮይነን’የን ዝስርሓ ነይረን። እንተኾነ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ከም’ቲ ዝድለ መሸጣ ክረኽባ ኣይከኣላን። ብዙሓት ሰባት ነዘን ቁጽሪታት ከም መግለጺ ሕማቕ ፋል ይሓስቡወን ብምንባሮም፡ ካብ’ቲ እዋን ኣትሒዘን 8፡20 ዝነበረ ተሪፉ ናብ ሰዓት 10፡10 ተቐየረ ዝብል መግለጺ’ውን ኣሎ። ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ዘመን ይቕጽል ከም ዘሎ ከኣ ይፍለጥ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዘለዋ ሰዓት ዝሸጣ ትካላት፡ ንዓሰርተን ዓሰርተን ከም መለለዪ ኣርማ እየን ዝጥቀማላ።

፠ ሰዓት ኣብ ንርእየሉ እዋን፡ ኣብ ዓይንናእትቐውምን ቀልጢፍና እንዕዘባን 10:10 እያ። ብተወሳኺ 10:10 ፍሽኽታ ናይ ሰዓት ተባሂላ’ያ ትጽዋዕ። ዝኾነ ሰብ ፍሽኽ ምስ ዝብል’ውን ጫፋት ናይ ኣፉ ናብ ላዕሊ ገጹ ስለ ዝጥምዘዝ፡ ምስ ሰዓት 10፡10 ምምስሳል ኣለዎ’ውን ይበሃል እዩ። መብዛሕቲአን ትካላት ኣብ መወዓውዒ ፍሽክታ ዘዘውትር ሰብ እምበር፡ ጸዋግ ገጽ ዘለዎ ሰብ ኣይደልያን እየን። ልክዕ ከም 10፡10 ማለት’ዩ። ሰዓት’ውን ከም ደቂ ሰባት ፍሽክታ ትውንን’ያ ብምባል ይገልጹ። ፠ ኣብ ኣጻብዕቲ ኢድና ምስ እንመጽእ’ውን ዓባይ ዓባይቶ ኣጻብዕትናን መመልከቲቶን፡ ምስ እንዝርግሐን “V” ዘለዎ ቅርጺ ይህባና። እዚ ኣብ ሰዓት እንተርኢናዮ 10፡10 እዩ ዝመጽእ። እዛ ፊደል ‘’V’’ ‘Victory’ ማለት ‘ዓወት’ እትብል ቃል’ያ ትገልጽ ምስ ምዃና፡ ምስ ሰዓት 10፡10 ምትሕሓዝ ኣለዋ ክብሉ ይገልጹ።

፠ ሰዓት ምስ ኣጻብዕቲ ኢድና ከነመሳስለን ከለና፡ እታ ማእከለይቲ ኢድና ብቝጽሪ 12 ንየማን ወገን ዘለዋ ዓባይ ዓባይቶን መመልከቲቶን ብቝጽሪ 10ን 11ን ይምሰላ፡ ካብ’ታ ማእከለይቲ ኢድና ንጸጋም ወገን ዘለዋ ቀለቤቶን ሕንጥልሕንጥሊቶን ከኣ ከም ቁጽሪ ሓደን ክልተን ይሕሰባ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣእዳውና ብቝጽሪ ዓሰርተ ጀሚረን ብቝጽሪ ክልተ ይውድኣ። እዚ ማለት ብዓሰርተን ዓሰርተን ማለት’ዩ።

፠ ኣብ ሰዓት 12 ቍጽርታት ኣለዋ፡ ኣብ ሓንቲ ዓመት’ውን 12 ኣዋርሕ ይርከባ። በዚ ምኽንያት ድማ ዝኾነት ሰዓት፡ ናብ መሽጣ ክትቀርብ ከላ ኣብ 10፡10 ኮይና ትስራሕ። ሰዓት 10 10፡ ብጸጋማይ ወገን ኣብ 10 ብየማናይ ወገን ከኣ ኣብ 2 እያ ደው ትብል። እዘን ቍጽርታት እንተተደሚረን 12 ይኾና፡ “ስለ’ዚ ኢና ሰዓት 10:10 ከም ዝኾና ገይርና ናብ መሸጣ ነቕርበን” ብምባል ለ ሎክለ ዝተባህለት ሽወዳናዊት ትገልጽ። ኣብ ጉዳይ ሰዓት ዓሰርተን ዓሰርተን፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣለዉ። ብተወሳኺ፡ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተን ዓሰርተን ቅድሚ ቀትርን ድሕሪ ቀትርን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓንጎልና ካብ’ቲ ዝነበሮ ሃንደበት ይነቓቓሕ ክብሉ ክኢላታት ይገልጹ። ብዘይካ’ዚ’ ኣብ’ዛ ሰዓት ዕሙቕ ዝበለ ትንፋስ ነተንፍስን ብዛዕባ ጽባሕ ንሓስብን፡ ሰናይ ዝኾነ ነገር ከኣ የጋጥመና ክብሉ የብርሁ።

 ፠ ገለ ሰባት’ውን ኣብ ወርሒ ዓሰርተን ዕለት ዓሰርተን፡ ኣብ ሂወትና ተስፋ ዘለዎ ነገራት የጋጥመና ይብሉ። እዚ ኸኣ፡ ንዝቕጽል እዋን ሂወትና፡ ቅኑዕ መኣዝን ንኽንሕዝ ይሕግዘና። ስለዚ’ዩ ድማ ሓዳሽ ሰዓት ኣብ እንዕድገሉ፡ ሰዓት ዓሰተን ዓሰርተን ኮይና ትጸንሓኣና ኢሎም ዝገልጹ’ውን ኣይተሳእኑን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com