Thursday , May 2 2024

ኣብ ስቶክሆልም ቦርኪትካ ዝወሓደ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ከም እተመዝገበ ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ እተገብረ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ፡ ዝወሓደ ቊጽሪ መረጽቲ ከም እተራእየ ተገሊጹ። ኣብ 2018
ምስ ዝተገብረን 87% ካብ ህዝቢ ድምጾም ዝሃብሉን ምርጫ እንክወዳደር፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብ 84% ቊጽሪ መረጽቲ
ዝወሓደ እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ።

ሓንቲ ካብዞም ዝወሓዱ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ዝተራእየሎም ምምሕዳራት ከተማ፡ ቦትኪርካ ደቡባዊ ስቶክሆልም ኮይና፡ ምስ ናይ
ዝሓለፈ ምርጫ 78% እንክወዳደር ብ 7% ብምጒዳል፡ 71% ጥራይ ምንባሩ፡ እንተኾነ ግና ካብዚ ዝተሓተ ቊጽሪ ኣድመጽቲ
ዘመዝገባ ምምሕዳራት ከተማ እውን ምህላወን፡ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊሉ’ሎ።

ኣብ ከምኒ ቦትኪርካ ወረዳ ኣልቢበርገት ቫስትራ ንኣብነት፡ ቊጽሪ ኣድመጽቲ ብ 20% ምንቊልቋሉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣረዲኣ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com