Saturday , May 18 2024

ወርሓዊ ጸብጻብ ጉዳይ ዜግነት ሽወደን

ኣብ ወርሒ የካቲት 2019 ጥራሕ ናይ ዜግነት ሕቶ ዘቅረቡ ሰባት ብዝሒ 6429 ከኾኑ ከለው ካብዚ ኦም 4586 ናይ ሸወደን ዜግነት ወሲዶም። እዚ ማለት ድማ 85 % ዜግነት ሽወደን ረኺቦም ማለት እዩ። Migrationsverket ተመልኪቱ መልሲ ኣብ ምጽባይ ዘሎ ናይ ዜግነት ሕቶ 87061 ምኻኑ በዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Read More »

ሓላፊ Säbo ንፖለቲከኛታት የጠንቅቅ።

ሓላፊ Säbo ፖለቲከኛታት ካብ ግብረሽበራ ክመጽእ ይኽእል ብዛዕባ ዝበሃል ጸጥታዊ ስግኣት ኣዝዩ ዝተጋነነ ስእሊ ካብ ምሃብን ናብ ደረጃ ሕሉፋት ብምውራድ ብቋንቋ እዞም ባእታታት ካብ ምዝራብ ክቚጠቡን ጸዊዑ። ሓላፊ ስቱር ፖሊስ ሽወደን(Säbo) ዝኾነ Klass Freiberg ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዝተጋነነ ስእሊ ጸጥታዊ ስግኣት ግብረሽበራውያን ካብ ምሃብ ክቚጠቡን ቅድሚ ናብ ትንተና ምእታዎም ኣጸቢቖም ክሓስቡን ተላብዩ’ሎ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ጉዳይ ብከላ ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘድልያ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ሽወደን ምውጻእ በካሊ ጋዝ ኣብ 2045 ናብ ዜሮ ከተውርዶ እንተኾይና ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘድልያ ካብ ኣገልግሎት ምዕቃብ ኣከባቢ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ባይቶ ሽወደን ክሊማዊ ፖለቲካዊ ቅጥዕታት ምቕባሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣረርባዕተ ዓመት ንባይቶ ውጥን ስራሕ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ። ሎሚ ዓመት ድማ ካብተን ኣዚ ውጥን ዕማም ዝቐርበለን እያ። ዝሓለፈ ዓርቢ ክኢላ በዓልመዚ ኣገልግሎት ዕቀባ ኣከባቢ እዚ ውጥን እንታይ ከጠቓልል ከም …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 2019 03 18

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ጸበባ ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ምንጪ ሓጎሰካ ኣብ ዘይንቕነቕ ውሸጣዊ ከውሕኻ ጥራይ ኢኻ ትሃንጾ፡፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተትፍርድ ኣብቲ እትጸንሓሉ ቤት ማሕቡስ እንታይ እናገበርካ ግዜኻ መሕለፍካዮ? ናይ ፍልስፍና መጽሓፍ ምጸሓፍካዶ? ቦትዬስ ከምኡ እዩ ዝገበረ፡፡ እታ ኣዝያ ዘበለጸት ናይ ፍልስፍና ስርሑ ኸኣ ንሳ ነበረት፡፡ ቦትዬስ ማኒለስ (475-525) ኣብ ዘመነ ሮማ ካብ ዝነበሩ ፈላስፋታት እቲ ናይ መወዳእታ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ፡፡ ሮማ ብኢድ ባርባርያውን ቅድሚ ምዕናዋ ዕስራ ዓመት …

Read More »

ትፈልጡዶ?

ኣብ ጋና ኣብ እትርከብ Mamfe Dove እተባህለት ገጠር ኣማልኽቲ መታን ከይቁጥዑ ብምባል ጥኑሳት ኣብ ውሽጢ እዛ ገጠር ከይሓርሳ ዝኽልክል ያታ ኣለዋ። ነዚ ያታ ከይጥሕሳ ብምባል ብዙሓት ነፍሰጾራት ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ካብታ ገጠር ክወጻ ነዊሕ ይጐዓዛ ምህላወን ድማ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ። ገለ ኣንስቲ ግና ነዚ ዝጸንሐ ያታ ክብድሃ ምጅማረን ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ፋሪዝ ኣሕመድ ገሊጹ።

ብዓርቢ ኣብ ክራይስትቸርች ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ መቕተልቲ ኣስላም ብህይወቱ ዝወጸ ሰብ በዓልቲ ቤቱ እኳ እንተተቐትለት ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉ ገሊጹ። ፋሪዝ ኣሕመድ ካብዚ መጥቃዕቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ ግና ግዳይ ኮይና እያ። ጓል 44 ዓመት ሖስና ኣሕመድ ነቲ ብዊልቼር ዝንቀሳቐስ በዓልቤታ ንምድሓን ናብቲ መስጊድ እናኸደት እያ ተቐቲላ። ንቐታሊ ይቕረ ከም ዝብለሉን ዱዓ ከም ዝገብረሉን ከኣ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ጅግንነት ኣብ እዋን ሽበራ።

ዓርቢ ኣብ መሳጊድ ክራስትቸርች ኒውዚላንድ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ 50 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቈሲሎም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ዝሰግዱ ዝነበሩ ምእመናን ነቲ ዕጡቕ ብድፍረት ብምግጣመ ክሬዲት ካርድ ክህበካ ካብዚ ውጻእ ከም ዝበሎውን ተገሊጹ። ሓዲኦም ሽጉጥ ጥራይ እተዓጥቀ ክልተ ሰብመዚ ፖሊስ ክኣ ን ዕጡቕ Brenton Tarrant ጎይዮም ከም ዝሕዝዎ ተሓቢሩ። እቲ ጥርጡር ኣብ መኪናኡ ነተጒቲ ከም ዝነበሮን መጥቃዕቲ ከካይድ ይውጥን ምንባሩን …

Read More »

Greta Thunberg ንመንእሰያት ዓለም ኣብነት ትኸውን።

ኣሽሓት ኮተቴ ሽወደንን መላእ ዓለምን ኣብነት Greta Thunberg ብምልዓል ካብ መምሃሪ ክፍሎም ብምውጻእ ኣብ ክሊማዊ ለውጢ ትርጉም ዘለዎ ፖለቲካዊ ስራሕ ክዕመም ዝጠልብ ሰልፊ ኣካይዶም። ተመሃሮ ዝናብ ብምጽዋር ኪነት ግሬታን ሙዚቃ ክጻወቱን መደረ ግሬታ ክሰምዑን ተኣኪቦም። ክሊማዊ ለውጢ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ወዲ ሰብ ምኳኑን በዚ ተቐሲቦም ሰልፊ ምክያዶምን ከኣ ገሊጾም። እዚ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ከም ዘቕለበሉን ሰባት ኣብ …

Read More »

ትስፉውነት + ንቕሓት = ዓንዲ ብልጽግና ቀዳማይ ክፋል ብበሪሁሉ ብኣማን

ብልጽግና፡ ንቕሓት ብዝተሓወሶ ጻዕሪ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ህይወት ገጢምካ ዕውት ብምዃን ዝረጋገጽ መደያይቦ ዕብየት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብልጽግና፡ ነቲ ተፈጥሮ ብዘይ ብቂ ዝዓደለካ መሃዚን ፈጠራውን ዓቕምኻ ኣበራቢርካ ዝብጻሕ ደረጃ’ዩ ማለት እዩ። ብልጽግና ማለት ገንዘባዊ ወይ ንዋያዊ ሃብቲ ማለት እዩ እንተኢልና፡ ሃብታም ኣተሓሳስባ ከየጥረኻ እትውንኖ ብልጽግና ከም ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ህንጻ ነባርነት ከም ዘይህልዎ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ‘ቅድሚ ልቢ ኣይጠረ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com