Sunday , May 19 2024

ብዙሕ ሰዓታት ምስራሕ ወቕዒ የስዕብ እዩ ተባሂሉ!!

ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕ ንወቕዒ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎታት ከም ዘዛይድ ኣብ ፈረንሳ ኣተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ። ብሪጣንያውያን ማሕበር ወቕዒ ነዚ ንምክልኻል እቲ ዝሓሸ ኣግባብ ምንቅስቓስ ኣካላት ምዝውታርን ጽቡቕ ኣመጋግባን እዩ ኢሎም ኣለዉ። እዞም ካብ ዩኒቨርሲቲ Ange ከምኡ’ውን ትካል መጽናዕቲታት ጥዕና ፈረንሳ እተረኽቡ መጽናዕታዊ ተረኽቦራት ከም ዝገልጽዎ ብዙሕ ምስራሕን ምትካኽን ነዚ ተኽእሎ ከዛይድዎ ይኽእሉ እዮም።

Read More »

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ጒዳይ ኣሳንጅ ኣይንቃወምን ይብሉ!!

ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኣሳንጅ ንውሳነ ቤትፍርዲ ኣይንቃወምን ይብሉ። ኣኽበርቲ ሕጊ ሽወደን ብሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ ጒዳይ ኣሳንጅ ንውሳነ ቤትፍርዲ ኣይንቃወንም ኢና ኢሎም ኣለዉ። ምውጻእ ናይዚ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ብሪጣንያ ንኣሳንጅ ኣሕሊፋ ክትህቦ ዝሓትት እዩ ኔሩ። ላዕለዋይ ጠበቓ ሽወደን ኤቫ መሪ ፔርሾን ” ተወሳኺ ቃለመጠይቕ ብምግባት ተወሳኺ መርትዖ ክቐርበሉ እዩ” ኢላ። ሽወደን ንኣሳንጅ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ክትከሶ ከም እትደሊ …

Read More »

ኣስልጣኒ ራፋ ቤኒተዝ ካብ ኒውካስትል ይፋኖ!

ንክለብ ኒውካስተል ካብ ወሪዳትሉ ዝነብረት ታሕተዋይ ዺቪዝዮን ዝመልሳን ህላውኣ ኣብ ፕሪመር ሊግ ዘውሓሰ ስጳኛዊ ኣሰልጣኒ ራፋ ቤኒተዝ ምስ ኣካየድቲ እዝ ጋንታ  ክሰማማዕ ብዘይ ምኽኣሉ ክገድፋ ወሲኑ። በዚ መስረት ምስ ርብሕ ዝበለ መሃያ ማለት  ዓመታዊ ስጋብ 12 ሚልዮን ኤሮ ክኸፍልኦ ቅሩባት ናብ ዘለዋ ክለባት ቻይና ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ይንገር ኣሎ። ራፋ ቤኒተዝ ዝሓለፈ ዓመት ንኒውካስል ብዘይ ብዙሕ ወጻኢታትን ኣብ መበል 13 …

Read More »

ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ዮተበሪ ምፍንጃር ኣጋጢሙ!!

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዮተበሪ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ክልተ ገዛውቲ ጒድኣት ከም ዝበጽሐን ፖሊስ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዚ ምንጩ ዘይተፈልጠ ምፍንጃር ናይ ክልተ ኣባይቲ መስትያትን ተዓሺጋ ዝነበረት መኪናን ተጐዲኦም ኣለዉ። ዋላኳ ዝተጐድአ ሰብ እንተዘይሃለወ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ከቢድ ምስንባድ ምፍጣሩ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 2 ክኢላታት ምግንጃት ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ክሳብ ሰኑይ ነቲ ቦታ ኸርዲኖሞ ምጽንሖምን መርመራ ከም ዝገበሩን ተገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብዚ ሰሙን እዚ ስጋብ 30 ዲግሪ ዝበጽሕ ሙቐት ክህሉ እዩ!!

ክሳብ 30 ዲግሪ ዝጸንሕ ሙቐት ዘለዋ ሃሩር ዝበዝሓ ሰሙን ክትከውን እያ ተባሂላ። ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ክሳብ 30 ዲግሪ ዝነጽሕ ሙቐት ዘለዋ ሃሩር ዝበዝሖ ሰሙን ከም ዝኸውን ገሊጹ’ሎ። ብመሰረት እዚ ማእከል ኣብ ጉትላንድ መጠን ሙቐት ካብ 25/6 ዲግሪ ሼልሰስ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ’ሎ። ኣብ ስቭላንድን ኖርላንድን ክሳብ 22 ዲግሪ ክበጽሕ ከም ዝኽእል እውን ተመልኪቱ’ሎ።

Read More »

ጥዕና፡ ደቂ ሰባት ኣብ ክታበት ማዕረ ክንደይ እምነት የሕድሩ?

ኣብ ኣረኣእያ ደቂ ሰባት ዝተኻየደ ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ዝነብር ማሕበረሰብ ኣብ ክታባት ዘለዎ እምነት ብዘሰክፍ ብርኪ ትሑት እዩ። እዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ‘ዌልካም ትረስት’ ዝተብሃለ ትካል ኣብ 140 ሃገራት ልዕሊ 140 ሺሕ ሰባት ሓቲቱ ብዝረኸቦ ምላሽ እዩ ኣብ’ዚ ትንታነን መደምደምታን ዝበጽሐ። እዚ ድማ ወድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ምኽታብ ዘሎ ሰጋእ-መጋእ ንጥዕና ዓለም ስግኣት ካብ ዝኾኑ 10 …

Read More »

መንበሪ ኣባይትን ናብራን ኣብ ሽወደን

ኣብ ሽወደን ኣብ ገሊኡ ኮምዩናት፡ ገዛ ምርካብ ቀሊል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ግን ከቢድ እዩ። ኣብ ኮምዩናት፡ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ብዙሕ ዝካረ ኣባይቲ የድሊ። ኣብ ከተማታትን ከባቢኦምን ናይ መንበሪ ገዛ ምርካብ ኣብ ውሽጥን ኣብ ከባብን ዓበይቲ ከተማታት፡ ብዙሕ ሰብ ስለ ዝነብሮ፡ ዝካረ ገዛ ንምርካብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ዝበዝሑ ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ክነብሩ እዮም ዝደልዩ። ኣብ ዓበይቲ ከተማታት …

Read More »

ባንክታት ካብ ምጥፍፋእ ሓራ ክኾና ኣለወን ይብል ሓዱሽ ፕረዚደንት ባንክ ሽወደን!!

ሓድሽ ፕረዚደንት ባንክ ሽወደን ባንኩ ካብ ኩሉ ጠርጠራታት ምጥፍፋእ ሓራ ክትከውን ከም ዝግባኣ ኣብ ኣኼባ ቦርድ ኣፍሊጡ። “ምጽራይ ግድነት ከድሊ እዩ” ይብል ካብ 1996 ክሳብ 2006 ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብምዃን ዘገልገለ ፐርቾን። ንሱ ንኣባላት ቦርድ ድሕሪ ምምስጋን ውሽጣዊ መርመራ ባንክ እኹል ዘይምዃኑን ብናጻ ሰብመዚ ተወሳኺ ፍተሻ ክግበር ከም ዝግባእን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ቀንዲ ፈጻሚ በዓልመዚ ዯኣቂም ኦስለን ብወገኑ ነዚ ከም ዝድግፍ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ምሕደራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብርቱዕ ውሽጣዊ ነቐፌታ ጎኒፍዎ!!

ምሕደራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ጌጋታቱ ክኣሊን ምትዕርራይ ክገብርን ካብ 700 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታቱ ብደብዳበ ጸቕጢ ከም እተገብረሉ መደበር ዜና SVT ሓቢሩ። እቲ ኩባንያ ሓድሽ መሪሕነታዊ ኣካይዳ የድልዮ ኣሎ እዩ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ሚያዝያ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣድማ ሰራሕተኛታት ኣብ ፓይሎታትን ሰራሕተኛታትን እቲ መንገዲ ኣየር ገዚፍ ዘይዕግበት ከምዘሎ ይንገር። ፓይሎታት እዚ መንገዲ ኣየር ስሩዕ ውጥን በረራ የሎን ኢሎም ብምምራር ናይ 13 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ …

Read More »

ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ሽወደን ካብተን ሚእቲ ዝበለጻ ዩኒቨርሲታት ዓለም ሓደ ምዃኑ ተገሊጹ

ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም’ውን እቲ ካልኣይ ኣብዚ ተርታ እተመደበ ትካል ኮይኑ’ሎ። ኣብ ተርታ 1000 ዩኒቨርሲታት ከኣ 8 ዩኒቨራሲታት ኣትየን ኣለዋ። እዚ ተርታ ተመሃሮ ሰራሕተኛታትን ምሁራትን ብኸመይ ይረኣያ ዝብል ረቛሒ ከም ዝረአ’ውን ተመልኪቱ። ዩኒቨርሲታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ዝርዝር ላዕለዋይ ደረጃ ዝሓዛ ኮይነን ቀዳመይቲ ማሳቹሰትስ ኢንስቲቱተ ቴክኖሎጂ ካብኡ ብምቕጻል ስታንፎርድን ሃርቫርድን ስዒበን ተረቚሐን ኣለዋ።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com