Wednesday , May 8 2024

ጥዕና፡ ደቂ ሰባት ኣብ ክታበት ማዕረ ክንደይ እምነት የሕድሩ?

ኣብ ኣረኣእያ ደቂ ሰባት ዝተኻየደ ሓደ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ገለ ክፋል ዓለምና ዝነብር ማሕበረሰብ ኣብ ክታባት ዘለዎ እምነት ብዘሰክፍ ብርኪ ትሑት እዩ።

እዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ‘ዌልካም ትረስት’ ዝተብሃለ ትካል ኣብ 140 ሃገራት ልዕሊ 140 ሺሕ ሰባት ሓቲቱ ብዝረኸቦ ምላሽ እዩ ኣብ’ዚ ትንታነን መደምደምታን ዝበጽሐ።

እዚ ድማ ወድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ምኽታብ ዘሎ ሰጋእ-መጋእ ንጥዕና ዓለም ስግኣት ካብ ዝኾኑ 10 ጉዳያት ሓደ እዩ ኣብ ዝበለሉ እዋን እዩ።

እቲ ትካል እቲ መጽናዕቲ ካብብ 142 ሃገራት ዝተረኸቡ ተወከልቲ ዳህሳስ ዘካየደ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዳህሳስ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ኣርእስቲ ኣብ ሳይንስ፣ ሳይንቲስትን ኣብ ጥዕና-ተንከፍን ሃበሬታን ዘሎ እምነት፣ ኣብ ሳይንስን ጥዕናን ዘሎ ግንዛበን ድሌትን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ክታበት ዘሎ ማሕበረሰባዊ ኣረኣእያ ዘካትት እዩ።

ምንጪ፥ bbc ትግርኛ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com