Sunday , May 5 2024

“መንግስቲ ብዙሕ ነቀፊታ ካባና ክመጾ እዩ” ተቓወምቲ ሰልፊታት

ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ነቲ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስ ሓምላይ (ሚልዮ) ሰልፊታትን ዝቘመ መንግስቲ ብነቐፌታ ኮፍ ምባል ከም ዝኸልእዎ ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣፍሊጦም። ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊታት ኣብቲ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ Stefan Löfven እተመርጸሉ መድረኽ ክርስትያን ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ከምኡውን ሰልፊ ሞደራት እዚ ሓድሽ መንግስቲ ንምምራጹ ምሕዛኖም ገሊጾም ኣለዉ። ዴሞክራትስ ሽወደን ምስ ካሎኦት ሰልፊታት ብምዃን ሓደ ቀጽሪ ብምቛም ኣንጻር መንግስቲ …

Read More »

ዝሓለፈ ዓመት ናይ ምጓዓዝያ ባቡራት ብዙሕ ምግንጓይ ምርኣየን ተገሊጹ።

ዓሰርተክልተ ሚእታዊት ወይ ብሓርፋፍ ግምት 100 ሽሕ ዝኾና ባቡራት ልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ደንጒየን ወይ ጒዕዞአን ሰሪዘን ምንባረን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ካብቲ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ ዝገደደ ምድንጓይ ዝተራእየሉ ምንባሩ ዝተመልከተ ኮይኑ ማሕበር ትራንስፖርት ሽወደን እዚ ኣብ ዓመተ 2019 ንኸይረአ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ። “በዚ ዘሎ ኣሃዛት ሕጒሳት ኣይኮንናን ብርግጽ። ካብቲ ኣቐሚጥናዮ ዘሎና ሽቶ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ 2020 …

Read More »

ናይ ቀብሪ ዘውዲ ንጉስ ካርል መበል ታሽዓይ ተሰሪቑ ::

ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣዕናቚ ናይ 17 ክፍለ ዘመን ናይ ቀብሪ ዘውዲ ንጉስ ካርል መበል ታሽዓይ ካብ ካቴድራል Strängnäs ሰሪቑ። ኣኽባሪት ሕጊ Isabelle Bjursten ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ቅድሚ ሕጂ ብጠርጠራ እዚ ስርቂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ሰብ ከም እተለቀ ገሊጻ። እዚ ናይ ስርቂ ልብሲ፥ ክልተ ዘውዲን ሓደ ትሕዞ ንጒስን ዘጣቕልል ናውቲ ስርዓተ ቀብሪ ዋጉኡ 65 ሚልዮን ክሮነር …

Read More »

ሽወደን ናብ ህዝባዊ ዕግርግር ዝኽሰተሉ ኲነታት እናቐረበት ትመጽእ ኣላ ኢሉ ከም ዝኣምን ሓደ ተመራማሪ ገሊጹ።

Magnus Granberg ኣብ ዩኒቨርሲቲ Sundsvall ተመራማሪ ግርጭታት ሽቕለት እዩ። ንሱ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ንምእዳም ዛዕባ ዝገበሩ ክትዓት ከምኡ’ውን ውሕስነት ሽቅለት ንምልዓል ዝተበጽሑ ፖለቲካዊ ስምምዓት ኣብ ሽወደን ብያታ ንዝጸንሐ ሳሕቲ ተርእዮ ሸብሮን ኣድማን ክቕይሩ ተኽእሎ ኣሎ ይብል። “ኣብ ታሪኽ ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጠን ኣድማን ማሕበራዊ ግርጭትን ዝህልወሉ ምኽንያት ኣዝዩ ስጡም ናይ ምውጋይ ሓይሊ ማሕበራትን ህዝባዊ ውድባትን ብምህላወን እዩ,” ክብል Granberg …

Read More »

ኣብ ደገ ክትቅመጥ ዝጸንሐት ሰበይቲ 280 ሽሕ ክሮነር ክትመልስ ተሓቲታ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ Jönköping እትቕመጥ ሰበይቲ 280 ሽሕ ክሮነርን ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን ተመላሲ ክትገብር ብሕጊ ተሓቲታ ክብል ቴለቨዥን ስዊድን SVT Jönköping ጸብጺቡ። እዛ ሰበይቲ ናይ ወለዲ: ብዝሒ ቆልዑ፥ መዕበያን፥ ጽገናን ኣበል ሓቲታ ካብ 2014 ጀሚራ ክወሃባ ጸኒሑ’ሎ። እዛ ሰበይቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ደገ ክትቅመጥ ምጽንሓ försäkringskassan ድሕሪ ምቅልዑ ግና እቲ ክዋሃባ ዝጸንሐ መሰል ክፍሊት ተቋሪጹ እቲ ዝወሰደቶ ገንዘብ ተመላሲ ክትገብር …

Read More »

ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም እተጠርጠረ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ሰለስተ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ዝርከቡ መንእሰያት ሰንበት ንግሆ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Kalmar ንሓንቲ ኰተቴ ዓሚጽኩም ብዝብል ጠርጠራ ተታሒዞም። እቶም ክልተ ድሕሪ ሕቶ ክፍነዉ እንከለዉ እቲ ሓደ ትቐዪዱ’ሎ። ሓላፊ መራኸቢታት ፖሊስ Patric Fors ምንም ዘጠርጥር ኣይረኸብናሎምን ይብል። እቲ እተቐየደ መንእሰይ በቲ ዝወሓደ መምዘኒ እኹል መጠርጠሪታት ከም ዘለዎን ሎሚ እቲ መርመራ ፖሊስ ክቕጽል እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ እታ እተዓመጸት ቆልዓ 16 …

Read More »

ሰኑይ ምሸት ንሰማይ ምንቅዕራር ኣይትረስዑ።

ኲነታት ኣየር እንተፈቒዱ ደም እትመስል ክንዲ ዓውዲ ትኸውን ወርሒ ክትርእዩ ኢኹም። መዘኻኸሪ፥ እቲ ንምርኣዩ ዘገርም ምሉእ ምግራድ ወርሒ ኣብ 2029 እዩ ከጋጥም ተባሂሉ ተቐሚሩ’ሎ። ወጋሕታ ሰኑይ ምሉእ ምግራድ ወርሒ ከጋጥም እዩ። ምልእቲ ወርሒ ብመሬት ምሉእ ብምሉእ ክትጋረድ እያ። እዛ ወርሒ ከምተን ካልእ ግዜ እንርእየን ዘይኮነ ክንዲ ዓውዲ እትኽወን ገዛፍ ወርሒ ኣያ ክትከውን። ናይዚ ዓመት ጠፈራዊ ክስተታት ክከታተሉ ንዝደልዩ ማእከል ሳየንስ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 7

ናብ ዝኸበርካ ኣቦ ከመይ ኣሎ ዓዲ? ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ፡ እቲ ቋንቋ ሽወደን’ውን ዳርጋ ክኢለዮ እየ። ስራሕ ንምርካብ ድማ ቋንቋ ምኽኣል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ክዛረብ ከሎኽ እጋገ እሞ፡ እቶም ሽወደናውያን ዘይኮኑስ እቶም ብጾተይ እዮም ዚስሕቁኒ። ግን ቋንቋ ከምኡ እዩ፡ ሰብ ስሒቑኒ ኢልካ ክትሓፍር የብልካን። ኣብዚ ጉዳይዚ ፈረንጂ ካባና ዚሕሹ ይመስሉ። ንሕና ሓደ ወጻእተኛ ከም ገለ ኢሉ ነቲ ትግርኛ ኣበላሽዩ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን 8 ሽሕ ስድራቤታት ናብ ሽወደን ክጥርነፋ እየን ይብል።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሽወደን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ምጥርናፍ ስድራቤት ካብ ዝቅጽል ሓምለ ኣትሒዙ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ድሕሪ ምስምምዖም፣ ብዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 8000 ስድራቤታት ኣብ ዝቅጽል 3 ዓመታት ክጣራነፋ ምኻነን ሓቢሩ። ምፍልላይ ስድራ ኣዝዩ ሕማቕ ተርእዮ ምዃኑን ምጥርናፍ ንሰድራቤት ናይ ውሕስነት ስምዒቶም ክብ ከም ዘብሎን እውን ተገሊጹ። ምጥርናፍ ስድራቤት ኣርባዕቲአን ሰልፍታት ሽወደን (ማእከላይ፥ ከባብያዊ፥ ሊበራላውን ዴሞክራስያዊ ማሕበርነታዊን …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 18 ጥሪ 2019

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com