Sunday , May 5 2024

ኣርሰን ቨንገር ናብ ባየርሙኒክ ዶ ወይስ ሪያል ማድሪድ

ስም እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ኣብዝጽውዓሉ ስም ናይ 26 ዓመታት ዕውት ግዜ ምስ እዛ ጋንታ ዘሕለፈን  ኣሰልጣኒ ፈረንሳዊ ኣርሰን ቨንገር ክጽዋዕ ናይ ግድን እዩ። ምክንያቱ ኣብዛ እንግሊዛዊት ጋንታ መዳርግቲ ኣልቦ ክብረወሰናትን ታሪክን ስለዝሰነደ። ኣብዝሓለፈ ክራማት ካብ ኣስልጣንነት ካብ ዝእለ ግን ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ  ኣብምስትምቃር ኣዩ ዘሎ። እንተኾነ ኣብዚ ወቅቲ ፍጹም ዘይጠዓመንን ብሕማቅ ኣጀማምራ ተበጊሰን ዘለዋ ጀርመናዊት ክለብ ባየርሙኒኽን ስፓኛዊትን ክለብ ሪያል …

Read More »

ኔይማር ንባርሳ ይናፍቅ

ኣብ 2017 ብዘይእመን ዝመስል ሓድሽ ክብረ ወሰን ብዝሰበረ ብ 222 ሚልዮን ዩሮ ካብ ባርሳ ናብ ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ዝተሰጋገረ ወዲ 26 ዓመት ብራዚላዊ ነይማር ናብራ ሊግ ፈረንሳ ሓደ ከምዘጽሎኦን ናብራ ክለብ ባርሶሎና ከምዝናፈቆን ይገልጽ ኣሎ። ነይማር ኣብዛ ክለቡ 27 ሸቶታት ብምምዝጋብ 16 ንሸቶታት ዝኾና ኩዑሶ ብምቅራብ ኣብምንጽብራቅ እኻ እንተሃለወ እቲ ሊግ ግን ተወዳደርቲ ክለባት ብዘይምህላወን ሰልችዩኒ እካ እንተበለ፣ ጋዜጣትታት ፈረንሳ …

Read More »

ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ፍርቀን ኣንስቲ ኮይነን

ዝሓለፈ ቀውዒ ኣቢይ መሓመድ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ ኮይኑ። ንሱ ኣብቲ ሃገር ብዙሕ ለውጥታት ገይሩ። ናይ ፖለቲካ እሱራት ተፈቲሖም። ውጉዳት ሰልፊ ፖለቲካ ኪነጥፉ ተፈቒዱሎም። እቲ ምስ ኤርትራ ዚካየድ ዝነብረ ነዊሕ ውግእ ድማ ደው ኢሉ። ሕጂ ድማ ሓድሽ መንግስቲ መስሪቱ ኣሎ። ካብቶም ሚኒስትራት ፍርቆም ደቀንስትዮ እየን። እዚ ብርቂ ነገር እዩ። እዘን ሚኒስትራት ደቀንስትዮ፡ ኣብ ወትሃደራውን ኢንዱስትርያውን ንግድን መዳያት ዝነጥፋ እየን።

Read More »

ብናይ ግዳም ምዕማጽ እተታሕዘ ሰብ

ሓደ 30 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብኣይ ንሓንቲ ኣብ ጥቓ ቦልነስ ሀልሲንግላንድ እትነብር ሰበይቲ ብምዕማጽ ከም እተታሕዘ ማዕከናት ፖሊስ ይሕብሩ። እቲ ዓመጽ ኣብ ግዳም እዩ ተፈጺሙ፡ እቲ ሓበሬታ ድማ ፍርቂ ለይቲ ተላኢኹ። እታ 50 ዓመት ዝዕድመኣ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ። ብመሰረት ፖሊስ፡ እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣይ ካብ ቀደም ትፈልጦ እያ። እቲ ገበነኛ ተኣሲሩ ኣሎ።    

Read More »

ጥርጡር ቀታል ጋዜጠኛ ናብ ሃገሩ ይጥረዝ

20 ዓመት ዝዕድመኡ ዓማጽን ቀታልን ጋዜጠኛ ቲቪ ቡልጋርያ ቪክቶርያ ማሪኖቫ፡ ካብ ጀርመን ናብ ቡልጋርያ ተጠሪዙ። እታ 30 ዓመት ዝዕድመኣ ማሪኖቫ፡ ጥቅምቲ 6 ኣብ ናይ ቡልጋርያ ከተማ ሩሰ፡ ኣብ ሓደ መገዲ፡ ጥቓ ወሓዚ እያ ሞይታ ተረኺባ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ እቲ ጥርጡር ኣብ ጀርመን ተታሒዙ። እቲ ቅትለት ምስ ሞያ ማሪኖቫ ወይ ምስ ካልእ ነገራት ምትእስሳሩ ርጉጽ ኣይኮነን። እቲ ጥርጡር ንማሪኖቫ ከም …

Read More »

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ኣብ ቀንዲ ኣኼባኡ ንስደተኛታት ዚምልከት ረፈረንድም ይጽውዕ

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ብመገዲ ሰክረተሪ ፓርቲ ሪቻርድ ዮምስሆፍ ገይሩ ንስደተኛታት ብዚምልከት ረፈረንድም ኪግበር ሓሳብ የቕርብ። እቲ ሰክረታሪ ከም ኣብነት ንሃንጋሪ ይጠቅስ፡ ብዝሒ ስደተኛታት ንሽወደናውያን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ኣብ ናይ ውሁዳን ደረጃ ከየእትዎም ድማ ይሰግእ። ንሱ ነቲ ረፈረንደም ኪካየድ ዝደለየሉ ምኽንያት፡ ህዝቢ ሽወደን ነቲ ሓላፍነት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲ ወይ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎን ቀያድን ፖሊሲ ሓዲኡ ንምምራጽ ብማለት እዩ። ኣብ ካልእ ሃገራት …

Read More »

ናጻ በረራ ንተማሃሮ

ካብ መጋቢት 15 ክሳዕ ጥቅምቲ 31-2019 ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ን 12000 ካብ 18 ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ዘለዉ ተመሃሮ ናጻ በረራ ኪህብ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ፈደረሽን ን 15000 ተምሃሮ ናብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዝዓለመን ኤውሮጳ ንፍምላጥ ዚካየድን ናጻ በረራ ኣዳሊዩ ነይሩ። ቲቦር ናፍረሰ፡ ናይ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ሓላፊ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ በረራ ኣወንታዊ ግብረመልሲ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ሕጂውን ንዓመታ ነዚ በረራዚ ክንደግሞ ኢና …

Read More »

ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ኣካላቱ ተጎዛዝዩ

ብመሰረት እቲ ብሰበስልጣን ቱርኒ ን CNN እተዋህበ ሓበሬታ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ተቐቲሉን ተጎዛዝዩን።  ይኹንምበር ነዚ ዘደልድል ወግዓዊ መርትዖ የልቦን። ናይ ቱርኪ ተመራመርቲ ገበን ኣብቲ ቤትጽሕፈት ቆንስል ብምኻድ ምርመራ ኣካዪዶም። ስሙ ኪህብ ዘይደለየ ቱርካዊ ምንጪ፡ ካሾጊ ኣብቲ ቦታ ከም እተቐትለ መርትዖ ከም ዝረኸቡ ሓቢሩ። ምጥፋእ ናይቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዓለም ኣውያት ኣላዒሉ። ካሾጊ ናይቲ ንግስነት ስዑዲ ነቓፊ እዩ ነይሩ፡ ምቕማጡ ድማ …

Read More »

ሚካኤል ይመር ኣብ ተኒስ ተሳዒሩ

ሚካኤል ይመር ኣብቲ ናይ ስቶክሆልም ኦፐን ናይ ተኒስ ጸወታ ተሳዒሩ። ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ ሚካኤል በቲ ኣብ ዓለም መበል 145 ደረጃ ዘለዎ ኤርነስት ጉልቢስ እዩ ተሳዒሩ። እዚ ኣብ ደረጃ 289 ዘሎ ሽወደናዊ ሚካኤል፡ ኣብቲ መጀመርታ ግጥም 4-6 ጽቡቕ ተጻዊቱ። ደሓር ግን ጽቡቕ ኣይከደን ማለት ኣብታ ካልአይቲ ግጥም 3-6 ተሳዒሩ ። እቲ ብ 2014 ኣብ ዓለም ዓስራይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ምኩር …

Read More »

ሉካኩን ኦልትራፍልድን ይማነዉ

ሂወት ማንይናይትድ ዘይማእምኦ ወዲ 25 ዓመት በልጂማዊ ኣጥቃዓይ ሮሜሉ ሉካኩ ናይ ኢጣልያዊት ክለብ ጁቬንቱስ ክሰጋግር ከምዝደሊ ገሊጹ። እዚ ምስ ጋዜጣ  ዴሎ ስፖርት ኣብዝገበሮ ቃለ መሕተት ሂወት እንግሊዛዊት ማንዩናይትድ ከምዝኸበዶን ኩሉ ጸቅጥታት ክጻወሮ ከምዘይክኣለን እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ሉካኩ ኣብ ሃገራዊት ጋንንኡ  45 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ሒዙ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዘሎ ምስ ኢንግላዛዊት ካለብ ማንቸስተር ይናይትድ ስጋብ 2022 ዘጽንሕ ውዕል ኣለዎ። ኣብ 2017  …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com