Sunday , May 19 2024

ምክትታል ዶባት ተወሳኺ ቁጽጽር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ኣካየዶም።

ሓሙስ መዓልቲ ፖሊስ ምክትታል ዶባት ኣርላንዳ ዶባት ብጽኑዕ ንምቁጽጻር ተወሳኺ ጻዕሪ ኣካየዶም። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለዎም ስሩዕ ቁጽሪ ስታፍ ተወሰኽቲ 50  ሰብ መዚ ፖሊስ ኣሳቲፎም። ዕላምኡ ብወገን መዕረፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ኣቢሎም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ኩሎም ሰባት ዝያዳ ቁጽጽር ንምግባር እዩ። እዚ ዘድለየሉ ምኽንያት ትብል ብርጂታ እጀሚር “ብፍላይ መዓልታዊ ናብዛ ሃገር ክኣትዉ ዝፈትኑ ሰባት ነቲ ጉዳይ ኣሸጋሪ ስለ ዝገብርዎ እዩ።” እዚ ጻዕሪ …

Read More »

ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝከላኸል ክትባት ብሃገር ደረጃ ከም ዝቕረብ ተጌሩ ኣሎ። 

ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝኽሰተሉ ወቕቲ ገና ሒደት ሳምንታት ተሪፍዎ እኳ እንተሎ ዝተፈላለየ መልክዓት እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ክትባት ብሃገር ደረጃ ከም ዝቕረብ ተጌሩ ኣሎ። ኣብ ወኪል ህዝባዊ ጥዕና ክኢላ ኤፒዲሚዮሎጂ ዝኾነት ኣና ሳራ ካርንሃን  እቲ ክትባት ካብ 65 ንላዕሊ ንዝዕድሚኦም ሽማግለታት፥ ነፍሰጾራትን ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ጥራይ ክወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ይኹን’ምበር ዘተኣማምን ጥዕና ዘለዎ መንእስይ እውን ነዚ መድሃኒት ክወስዶ ይኽእል እዩ። …

Read More »

ሽግር ኣባይቲ ኣብ ምጥርናፍ ስደተኛታት ኣሉታዊ ተራ ይጻወት ምህላዉ ተገሊጹ።

ካብ ጽድያ 2016 ኣትሒዙ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ሽወደን ናይ ዑቕባ መሰል ንዝረኸቡ ሰባት ብሓባር ሓላፍነት ክውስዳ ሕቶ ቀሪቡለን ኣሎ። ንሳተን ኣብ ሽወደን ክጥርነፉን እግሪ ክተዝኽሉን ናይ ኣባይቲን ቋንቋን ሓገዝ ክገብራሎም እየን። እንተኾነ ግና ብመሰረት ምምሕዳር ሽወደን ዘውጽኦ ሓድሸ ጸብጻብ እዘን ምምሕዳራት ነዚ ሕጊ ምሉእ ብምሉእ  ይትግብሮኦ የለዋን። ናይቶም ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ባህጊ ዝጽግዑሉ ቦታ ምንዳይ እዩ። ምምሕዳር ከተማታት ከኣ …

Read More »

ኣብ ቆልዑ ሽወደን  ዘይስሩዕ ኣመጋግባ  ብናህሪ ይዓቢ።

ኣብ ሽወደን ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ቆልዑ ብናህሪ ይዓቢ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ኩነት ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ኣብ ክንክን ሕክምና ዝርከቡ ካብ 10 ክሳብ 14 ዘዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ጥራይ ብዕጽፊ ከም ዝዓበየ ይፍለጥ። ካብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኣብ 2011 ዝተረኽበ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ 364 ቆልዑ በዚ ዘይስሩዕ ኣመጋግ ኣብ ሕክምና ከም ዝነበሩ የመልክት። ሬድዮ ሽወደን ምስታ ሓላፊት ክሊኒክ ኣነሮዢያ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዊገርስ ካብ ቻይና ምክትታልን ምፍርራህን ይመጸና ኣሎ ይብሉ።

ካብቲ ህዳጣን(ውሑዳን) ጉጅለ ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ካልኦት ህዝቢ ዊገርን ውድቡን ሓበሬታ ክእክቡ ጸቕጢ ክግበረሎም ምጽንሑ ገሊጾም። ሬድዮ ሽወደን ንኣገልግሎት ጸጥታ ቻይና ንውክል ኢና ብዝብሉ ሰባት ዝተጻሕፉን ነቲ ክሲ ዘራጉዱን ናይ ኢመይልን ድምጺን ቅዳሓት ሰሚዓላ። ብመሰረት እዞም ሓበሬታታት እዞም ወኪላት ጸጥታ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ውጊራት ንስለያዊ ስራሕ ክምልምልን ነዚ ድማ ምፍርራሕን ገንዘባዊ መቕጻዕቲን ከውርደሎም ምጽንሑን ተፈሊጡ። ዳንኤል ስተንሊንግ …

Read More »

ድሕሪ ዝፈጸሞ ነውራም ተግባር ሓደ ሰብ SSU ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ወሪዱ

አቲ ኣብ ደቡባዊ ሸወደን ስኬን ኣብ ዴሳዊ ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ክንፊ መንአስያት ዝተኸስተ ኣዘራራቢ ጉዳይ አናጎሃረ ምምጻኡ ቀጺሉ ኣሎ። ክቫልስፖስተን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዙሓት ኣባላት እቲ ውድብ ጸረ ኣይሁዳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጎነጻዊ ስእሊታት ይልጥፉን   ንሓድሕዶም ክለዋውጡን ምዃኖም  ይፍለጥ። ኣብ ስቶክሆልም ዝመደበሩ መሪሕነት SSU ነቲ ማልሞ ዝትርባህለ ጨንፈር ነቲ ዝተፈጥረ ግእዘይ ክገድፍ ወይ ዝቐርበሉ ምወላ ክቋረጽ ምዃኑ መጠንቀቕታ     ኣቕሪቡሉ፡ሎ። ዝሓለፈ ዓመት …

Read More »

ቅርጻ ምስሊ መሓመድ ሓላሕ፡ ደገፍቲ ኩዕሶ የስሕቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሸፊንዎ ዝነበረ መጋረጃ ተቐንጢጡ ንምርኢት ዝበቕዐ ቅርጻ ምስሊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ከስሕቕ እንከሎ ንገሊኦም ድማ ኣገሪምዎም ኣሎ። እቲ ቕርጻ፡ ሳላሕ ጎል ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንሰማይ እናጠመተ ብፍሽኽታ ክጽምብል እንከሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብ ምስራዊት ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዕላ መንእሰያት እዩ ንትዕዝብቲ ተቓሊዑ። ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ቅርጻ፡ …

Read More »

ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ክቡር ሆቴል ተሃኒጹ

ሓደ ኮንራድ ዝተባህለ ናይ መጋየጺ ሆቴላት ትካል፡ ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓደ ለይቲ 50 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዘኽፍል በዓል ሓሙሽተ ኮኸብ ሆቴል ከምዝሃነጸ ኣፍሊጡ። እዚ ሙራካ ዝተባህለ በዓል ክልተ ደርቢ ሆቴል፡ ባር፡ ናይ ውልቂ ጂምናዝየምን ዝተፈላለዩ መዘናግዒታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተነጊርሉ ኣሎ። ናሕሲ ናይቲ ሆቴል ድማ ልዕሊ ማይ ኮይኑ፡ ዓማዊል ነብሶም ፍትሕ ኣቢሎም ጸሓይ ዝጽለዉሉ እዩ። …

Read More »

ኣሰንሶ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሃዛርድ ይኣቱ

ክለብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ድርቀት ሸቶ ገጢሙዋ ብንኣሽቱ ክለባት ኢስጳኞለ ተበሊጻ ካብ ቀንዲ መቓናቕንታ ክለብ ባርሶሎና ብ 7 ነጥቢ ተፈንቲታ  ኣብ 6 ደርጃ ትርከብ። ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅቲ ንምግልጋል ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምስላዕ ኣብ ሃድን ስሙያት ተጻወቲ ትርከብ።  ን ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝኽፈት መስኮቲ ምስግጋር ተጻወቲ ቀንዲ ኣተኩርኣ ናብ ተጻወቲ ራሒም ስተርሊን ካብ ማን ስቲ ኤደን ሃዛርድ ካብ …

Read More »

ኣርሰን ቨንገር ምስ ሚላን ወዲኡ ይበሃል

ካብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመት ምፍልላዩ ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሔ ኣርሰን ቨንገር ምስ ክለብ ኤሲ ሚላን ከም መተካእታ ሓደ ናይ ቀድም ተጻዋትይን ድሒሩ ነዛ ክለብ ከሰልጥና ሓላፈነት ዝተዋህቦ ጋትሶ ክኸውን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ክትብል ፍራንስ ስፖርት ኣብ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ። ጋትሶ ብ ኣታውን ወጻኣቲ ጸወታ ነዛ ጋንታ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መሳልል ሰሪ ኣ ጥልያን ካብ መራሒት ጁቬንቱስ ብ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com