Friday , April 26 2024
JONAS EKSTRÖMER / TT

ኣብ ቆልዑ ሽወደን  ዘይስሩዕ ኣመጋግባ  ብናህሪ ይዓቢ።

ኣብ ሽወደን ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ቆልዑ ብናህሪ ይዓቢ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ኩነት ዘይስሩዕ ኣመጋግባ ኣብ ክንክን ሕክምና ዝርከቡ ካብ 10 ክሳብ 14 ዘዕድሚኦም ቆልዑ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ጥራይ ብዕጽፊ ከም ዝዓበየ ይፍለጥ።

ካብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ኣብ 2011 ዝተረኽበ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ 364 ቆልዑ በዚ

ዘይስሩዕ ኣመጋግ ኣብ ሕክምና ከም ዝነበሩ የመልክት።

ሬድዮ ሽወደን ምስታ ሓላፊት ክሊኒክ ኣነሮዢያ ቡሊምያ ሆስፒታል ቆልዑን መንእሰያትን ኲን ሲልቪያ ዝኾነት ኣንሊን ሶልበርግ ኣብ ዝገበሮ ዕላል እዚ ተርእዮ እናዓበየ ምምጽኡን ዓሰርተ ዘዕድሚኦም ቆልዑ ከይተረፉ ናብ ሕክምና ይመጹ ምህላዎም ትገለጽ።

ዘይስሩዕ ኣመጋግ ምቁጸጻርን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ጥዕናኻ ንምሕላው ወሰንቲ ረቛሒታት እዮም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com