Sunday , May 19 2024

ኽልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን መንግስቲ ክምስርቱ ክፍትኑ እዮም።

ብኽልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሽወደን ዝተኣመመ መንግስቲ እንተስ ክጸድቕ እንተስ ክንጸግ ናብ መስርሕ ምድማጽ ክኣቱ’ዩ ዋላ እኳ ገለ ሰብ-ኪዳኖም ኣብቲ ወሳኒ ሕርያ ኣንጻሮም ከድምጹ ተእኽሎ እንተሎ ሰልፊ ልዙባትን ክርስትያን ደሞክራትን መንግስቲ ክምስርቱ ክፍትኑ እዮም። ኣፈኛ ፓርላማ ኣንድሪያስ ኖርለን ሎሚ (ሰኑይ 12 ሕዳር) ብወግዒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ዝተኣመመ መንግስቲ ዝምልከት ውሳነ ንምሕላፍ ኣብቲ ‘ሪክስዳግ’ ብምባል ዝፍለጥ ሓጋጊ ኣካል ሽወደን ረቡዕ ንግሆ …

Read More »

ብጉዳይ ገበን ሓደ ሓላፊ ደው ዝበለ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሽልማት ኖበል

እቲ ንሽወደናዊ ኣካዳሚ ኣብ ክልተ ዝገምዐን ብሰንኩ ድማ እቲ በዚ ትካል በብዓመቱ ዝወሃብ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሽልማት ኖበል ደዉ ከም ዝብል ዝገበረን መስርሕ ይግባይ ሎሚ ሰኑይ 12 ሕዳር 2018 ጀሚሩ። እቲ ብገበን ምዕማጽ ዝተፈርደን “ምስሊ ባህሊ” ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥን ሰብኣይ መራሒ ናይቲ ምስ ሽወደናዊ ኣካደሚ ምትእስሳር ዘለዎ ባህላዊ መድረኽ እዩ ነይሩ። ኣባል ናይቲ ኣካደሚ ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪባ …

Read More »

ሓደስቲ ሽወደናውያን ንሽማግለታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝምልከት ክሕግዝዎም

መንእሰያት ሓደስቲ ሽወደናውያን፡ ከም ተሓጋገዝቲ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት ናይ ሽማግለታት ኰይኖም ኣብ አስተርሹን ክሰርሑ’ዮም። እቲ ሓሳብ፡ ናይ’ቶም ሽማግለታት ሕቶታት እናመለሱ ቋንቋ ንኽለማመዱ እዩ። እቲ ፕሮጀክት ናይ አስተርሹን ኮሙን ምስ ኤንተር ስዊድን ዝበሃል ዘይመኽሰባዊ ማሕበርን ኰይኖም ዝተግብሩዎ እዩ። ንዲጂታል ነገራት ዝምልከቱ ሕቶታት ሓገዝ ምርካብ ኣብቶም ርክባት፡ እቶም ሽማግለታት ንሕቶታቶም ከም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መለለዪ ባንክ (ባንክ-ኣይዲ) ወይ’ውን ፊልም ወይ ሙዚቃ ብቐጥታት ኣብ ኢንተርነት …

Read More »

ናይ ዶሮቴያ ኣቦታት ናይ ውላድ-ዕረፍቲ ብምውሳድ ካብ ሃገር ምሉእ ዝበልጹ

ቍጽሪ ናይ ንኣቦታት ዝወጸ ክፍሉ-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ (föräldrapenningdagar) እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ዶሮቴያ፡ ብ37 ምኢታዊት፡ ካብ ሃገር ምሉእ ዝላዓለ ቍጽሪ ክፍሉ-መዓልታት-ዕረፍቲ-ወላዲ ናይ ኣቦታት ዝተወስደላ ኮሙን ኰይና ኣላ። ካብ’ተን ዓሰርተ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርካባ ኮሙናት፡ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ካብ ሓደ ዞባ እየን። ብሃገር ደረጃ፡ ብኣቦታት ዝውሰድ ዕረፍቲ-ወላዲ 29 ምኢታዊት ናይ’ቶም መዓልታት’ዩ ዘሎ። “ኣብዚ ክልተ ዓመታት ተራእዩ ብዘሎ ምዕባለ እንተ ቐጺሉ፡ ኣብ መፋርቕ 2030ታት እቲ …

Read More »

ምድጋም ምርጫ 400 ሚልዮን ክሮኖር ክውድእ እዩ።

ኾሚሽን ምርጫ ስዊድን ምድጋም ምርጫ ኣብ ስዊድን ከምቲ ልሙድ ምርጫ ዝውድኦ ዋጋ ማለት 400 ሚልዮን ክሮኖር ከምዝውድእ ገሊጹ።ሓላፊት ምርጫ ኮሚሽን ዝኾነት ኣና ኒኮይስት ንዳገንስ ኒሂተር ዝተባህለ ጋዜጣ ከምዝሓበረቶ እቲ ኣሽጋሪ ዝኾነ ምድልውን ምዕዳልን መድመጺ ን ናውቲ ምርጫን እዩ። ዝበዝሐ ባጀት ዘድልዮ ድማ ንኩለን ምምሕዳራት መድመጺ ወረቃቅቲ ከዳለዋን ክዕድላን ዝወጽእ ወጻኢ ኮይኑ ብተወሳኺ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ኣብ ግዜ ምርጫ እዩ። መራሒ ሞደራት …

Read More »

ኣልኮምፒስ ብቋንቛ ትግርኛ ዘቅርቦም መደባት ይጅምር ።

Read More »

ለፍቨን ብዛዕባ ኩነታት ምምራጽ ክሪስተርሶን ክትንበ ኣይደልን ይብል

ድሕሪ ናይ ሰሙናት ተንፋስ ዘይህብ ፈተነታት፡ ምቛም መንግስቲ ብጸቢብ ኩነታት ይቕጽል ኣሎ። ኡልፍ ክሪስተርሶን (መራሒ ሞደራተርና) ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝግበር ድምጺ ምሃባ ኣባላት ባይቶ፡ ይዕወት’ዶ ንዝብል ሕቶ፡ መራሒ ሶሻል-ዴሞክራስያውያን ስቴፋን ለፍቨን ክትንበ ከም ዘይደሊ ንቴሌቪዥን ሽወደን (ኤስቬቴ) ሓቢሩ። ቅድሚ ሸውዓተ ሰሙናት፡ ባይቶ ሽወደን ብዘካየዶ ድምጺ ተኣማንነት፡ ንመራሒ ሰልፊ ሶሻል-ዴሞክራስያውያን ዝዀነ ስቴፋን ለፍቨን ካብ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዝእለ ኰይኑ …

Read More »

ቻይና ካልኣይቲ ወርሒ ኣብ ሰማያታ ንምስቃል ትቀራረብ

ቻይና ትስንዓ ዘላ ሰብ-ሰርሖ ወርሒ፡ ኣብ 2020 ኣብ ሰማያት ከተማ ቸንዱ (ክፍለ ሃገር ሲቹዋን) ክትሰቕላ ምዃና ንሰብ መዚ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ፒዩፕልስ ደይሊ ኦንላይን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዛ ብወዲ ሰብ ዝተሰርሐት (ኣርቲፊሻል) ወርሒ ነታ ባህርያዊት ወርሒ ክትትክኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሸሞንተ ዕጽፊ ካብ ናታ ዝደመቐ ብርሃን ክትህብ ምዃና እቲ ሓበሬታ የረድእ። ምስ ምጅማር እዛ ውጽኢት ስነ-ፍልጠት ዝኾነት ወርሒ፡ ኣብ …

Read More »

መንእሰያት ሽወደን ፡ ናይ ስድርኦም ባህልን ልምድን ብዘይ ምስዓቦም ዕቱብ ቅየዳ ከም ዘጋጥሞም ይዛረቡ።

ሓደ ካብ ሽዱሽተ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ዝተገብረሎም ትሕቲ ዕስራዝዕድሚኦም ኮተቴ፡ ናይ ስድርኦም ባህልን ልምድን ብዘይ ምስዓቦም ዕቱብ ቅየዳ ከም ዘጋጥሞም ይዛረቡ። ብመሰረት ሓድሽ ዝተዘርግሐ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ እቲ ” ባህሊጭውነት” ዝበሃል ልምዲ ብፍላይ ህይወት መንእሰያት ሽወደን ብኣሉታ ይጸሉ ምህላዉ ተነጊሩሉ። ተመራመርቲ ኦረብሩ ዩኒቨርሲቲ ኣብ 6000 ኮተቴ ስቶክሆልም፥ማልሞን ጉተንበርግን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ሓደ ካብ ሽዱሽተኮተቴ ስድርኦም ኣገዳሲ ኢሎም ዝኣምኑሉ ባህልን ልምድን ብዘይምስዓቦም ዕቱብ ቅየዳ ወይ …

Read More »

አብ ከተማ ሞታላ ዝነብር ኤርትራዊ ኣደ 2 ደቁ ዝኾነት ብዓልቲ ቤቱ ይቐትል::

ኣብ ከተማ ሞታላ ነባሪት ዝኾነት ኤርትራዊት ብዓልቲ ቤቱ ዝቀተለ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ስዊድን ካብ ሞታላ ሓቢሮም:: እዛ ብዓል ቤታ ዝቀተላ ኣደ ኣብ 31 ዝዕድሚኣ ኮይና ኣደ ክልተ ቆልዑት እያ:: እቶም ህጻናት 6 ዓመት ከምኡውን ናጽላ ናይ 8 ወርሒን ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ሶሻል ተዓቒቦም ኣለው:: ቀታሊ ባዕሉ ሰዓት 18:31 ናብ ፖሊስ ደዊሉ ከምዝሐበረን ፖሊስ ኣብ ቦታ ፍጻመ ገበን …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com