Sunday , May 5 2024

ስርሒት ረኩል፥ ፖሊስ ናይ ሸውዓተ ዘምለጡ ጎሓላሉ ስምን ስእልን ይዝርግሕ

እዞም ሰባት ብናይ ካራ መጥቃዕትን ዝርፍያን ናይ ቅትለት ምፍርራህን ሓዊ ምቅጻልን ድሮጋን ምትላልን እዮም ዚህደኑ ዘለዉ። ንሳቶም ተፈሪዶም እዮም ነይሮም፡ ግን ካብዚኣቶም ሸውዓቲኦም ኣምሊጦም። ሕጂ ፖሊስ ሽወደን ይሃድኑዎም ኣለዉ። እቲ ስርሒት ከኣ ረኩል ይብሃል። ክሳዕ ሕጂ በቲ ስርሒት ሰለስተ ተታሒዞም ኣለዉ። ንሳቶም በቲ ሰባት ዝሃቡዎ ሓበሬታ እዮም ኪተሓዙ ክኢሎም።ስርሒት ረኩል ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ኪእሰሩ እተፈርዶም ዓመጸኛታት ቀዳምነት ዚህብ ተግባር እዩ። …

Read More »

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዊድን ማርጎት ቫልስትሩም ምስ መራሕቲ ኩውየት ትራኸብ::

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ስዊድን ማርጎት ቫልስትሩም ትማሊ ሰኑይ ምስ ልዑል ኩውየት  ሼኽ ሳባሕ ኣል-ኣሕመድ ኣል-ሳባሕ ኣብ ቀጽሪ ቤተመንግስቲ ተራኺቦም::  ኣብቲ ርክብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሳባሕ ኣል-ኻልድ ኣል-ሓምድ ሳባሕ  ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጒዳያት ዓምሪን ዲዋን ዓሊ-ሳባሕ ተረኺቦም ። ” ኩዌት ብዛዕባ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዋ ተራ ከምኡ’ውን ኣብ ዝርርብ የመን ብዛዕባ ክትጻወቶ ትኽእል ተራ እየ ተዛሪበ። እዚ ምይይጥ ኣብ ቀረባ ግዜ …

Read More »

ዜና 03122018

Read More »

ብሰንኪ ምወሳኽ ዋዒ ዓለምና እምባ በረድ ይፈርስ።

ሓደ ኣብ ስካንዲናቭያ ዝርከብ እምባ በረድ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዘይንቡር ሙቐት ሓጋይ ክስበር ምጅማሩ ፒፎር ጃምትላንድ ጸብጺቡ። ከባብያዊ ኩንታት ዝቆጻጸር ቶማስ በርግስትሮም እቲ እምባ በረድ ናብ ብዙሕ ስባራት ከም እተመቓቐለ ብንጹር ከም ዝረአ ገሊጹ። “ብሓጺሩ ፈሪሱ’ዩ” ይብል። እዚ ኣብ ዶብ ኖርዌይን ሽወደንን ዝርከብ ሳይል ዝተባህለ እምባ በረድ ካብ ከተማ ትሮንድሃይም ኣብ ቀረባ ርሕቐት እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ወቕቲ ሙቐት ሓጋይ ካብቲ እምባ …

Read More »

መንግስቲ ኖርዌይ ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ንውዕል ዳብሊን ክምርምሮ ጸዊዑ።

ብዘይ መሰነይታ ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ከምኡውን ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ስድራ ጥርዓኖም ኣብ ኖርዌይ ዘይኮነ ኣብ ግሪኽ ክሳብ ዝምርመር ጉዳዮም በዚ ውዕል እዮም ዝከታትልዎ። ዳይሬክቶሬት ሰደተኛታት ብዘይካዚ ነቲ ብሰብመዚ ግሪኽ ዝቐረበ ኖርዌይ ናይዞም ዑቕባ ዝሓቱ ቆልዑ ጉዳይ ክትከታተል ዝጠልብ ሕቶ ብመሰረት ሳልሳይ መትከል ስርዓተ ደብሊን ከም ዝነጸገቶ ብሉምበርግ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ሚኒስተር ፍትሒ ቶር መከል ዋራ ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ …

Read More »

ባይቶ ጀርመን ንድፊ ኣህጉራዊ ቻርተር ስደተኛታት ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ጀርመን ነቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ልፍንታዊ ሰልፊ ዝወጸ ንድፊ ኣህጉራዊ ቻርተር ስደተኛታት ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ። ብድምር 372 ተወከልቲ ንቲ እማመ ክቃወምዎ እንከለዉ 141 ድምጾም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ። እቶም ኣሰናዳእቲ ናይቲ ቻርተር እቲ እማመ ንረብሓ ጀርመን ምዃኑን ንሃገራዊ ረብሓ ጀርመን ብኣሉታ ዘይጸሉ ምዃኑን ይገልጹ’ለዉ። ዝሓለፈ ክረምቲ ቻርተር ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ሃገራት ዋሕዚ ስደተኛታት መታን ክቆጻጸራ ዝኽእለን 20 ዝኽውን እማመታት ኣውጺኡ …

Read More »

ዜና 30 ሕዳር 2018

Read More »

ስዊድን ብደረጃ ወሰኽ ግብሪ 4ይቲ ካብ ኤውሮፓ ኮይና::

ኣልኮምፒስ:ስቶክሆልም – ብመሰረት ናይ ዓመተ 2017 ጸብጻብ ቀረጽ ዩሮስታት ሽወደን ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት መበል ራብዐይቲ ተሰሪዓ’ላ። ቀዳመይቲ ዝተሰርዐት ፈረንሳ ኮይና 48.4 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ኣታዊ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ’ላ። ቤልጀም ብ47.3 ሚእታዊት ዴንማርክ ድማ ብ 46.5 ሚእታዊት ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ። ደረጃ ቀረጽ ሽወደን ንቡር ቀረጽን ማሕበራዊ ውሕስነትን ዘጠቓልል ኮይኑ ዓሚ ካብ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር 44.8 ሚእታዊት እዩ ኔሩ። ዝትሓተ ዘመዝገበት …

Read More »

ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ማቱሳላ ኣብራሃም ብማሕነቅቲ ሂወቱ የሕልፍ።

ኣብ ሺስታ ዝበሃል ከባቢ ዝነብር ዝነበረ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ማቱሳላ ኣብራሃም  ሂወቱ ብማሕነቅቲ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ። ስነስርዓት ቀብሩ ሎሚ መዓልቲ 29 ሕዳር 2018 ኣብ ቤተክርስትያን ስፖንጋ ክካየድ እዩ። ብዛዕባ እዞም ተደጋገምቲ ተርእዮታት ርእይቶኦም ክህቡና ዝተወከስናዮም ሰባት ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ይበዝሑ ከምዘለውን ክኢላታት ስነኣእምሮ ነዚ ጉዳይ ብጥልቀት ከጽንዕዎ ከምዝግባእ  ሓቢሮም።  

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ስዊድን

ኣልኮምፒስ- ኩነታት ኣየር ትካል ሜትሮሉጂ ስዊድን SMHI ትማሊ ረቡዕ መዓልቲ አብ ዘውጽኦ መጠንቀቅታ ንሰብ መካይን ጎማ መኪና ከይቀየሩ ከይዝውሩ ኣተሓሳሲቡ:: እዚ ዝተዋህበ መጠንቀቅታ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሃላንድ ጎትላንድ ቨርምላንድ ከምኡውን ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ስሞላንድ ኮይኑ መካይን ክንሸራረታ ከምዝኽእላ ሓቢሩ:: ከምዝፍለጥ ካብ 1 ታሕሳስ 2018 ጀሚሩ ምቅያር ጎማ ናይ ክራማት ግዴታ ክኽውን ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ::

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com