Friday , April 26 2024

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ስዊድን ማርጎት ቫልስትሩም ምስ መራሕቲ ኩውየት ትራኸብ::

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ስዊድን ማርጎት ቫልስትሩም ትማሊ ሰኑይ ምስ ልዑል ኩውየት  ሼኽ ሳባሕ ኣል-ኣሕመድ ኣል-ሳባሕ ኣብ ቀጽሪ ቤተመንግስቲ ተራኺቦም::  ኣብቲ ርክብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሳባሕ ኣል-ኻልድ ኣል-ሓምድ ሳባሕ  ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጒዳያት ዓምሪን ዲዋን ዓሊ-ሳባሕ ተረኺቦም ።

” ኩዌት ብዛዕባ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዋ ተራ ከምኡ’ውን ኣብ ዝርርብ የመን ብዛዕባ ክትጻወቶ ትኽእል ተራ እየ ተዛሪበ። እዚ ምይይጥ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሽወደን ክካየድ እዩ” ብምባል ንኣገልግሎት ዜና ኩዌት ሓቢራ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ብተወሳኺ እቲ ርክብ ንካልኦት ጒዳያት ( እንተላይ ኩነታት ሶርያን እቲ ዞባ ብሓፈሻን) ከም እተመያየጠሉ ገሊጻ’ላ።

ሽወደንን ኩዌትን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘሎወን ሽርክነት ንኡድ ምዃኑ ኣብ መጻኢ ምሕያሉ ዘይተርፎ ክልተኣዊ ዝምድና ዝመሰረቱ ምዃኑ ከኣ ኣስሚርሉ።

ብዘይካዚ እቲ ንኣገልግሎት ዜና ንሚኒስተር ፋልስትሮም ብምጥቃስ ሽወደን ” ኣብ መንጎኣን ኩዌትን ጽቡቕ ናይ ወፍሪን ንግድን መጻኢ ክህሉ” ተስፋኡ ምግላጹ ኣቐሚጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com