Friday , April 26 2024
Wuttudal, Tore/TT

ባይቶ ጀርመን ንድፊ ኣህጉራዊ ቻርተር ስደተኛታት ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ጀርመን ነቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ልፍንታዊ ሰልፊ ዝወጸ ንድፊ ኣህጉራዊ ቻርተር ስደተኛታት ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ብድምር 372 ተወከልቲ ንቲ እማመ ክቃወምዎ እንከለዉ 141 ድምጾም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለዉ።

እቶም ኣሰናዳእቲ ናይቲ ቻርተር እቲ እማመ ንረብሓ ጀርመን ምዃኑን ንሃገራዊ ረብሓ ጀርመን ብኣሉታ ዘይጸሉ ምዃኑን ይገልጹ’ለዉ።

ዝሓለፈ ክረምቲ ቻርተር ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ሃገራት ዋሕዚ ስደተኛታት መታን ክቆጻጸራ ዝኽእለን 20 ዝኽውን እማመታት ኣውጺኡ ኔሩ። እዚ እማመ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ብምስላጥ፥ ስደተኛታት ኣብ ዝቕመጡሉ ዓዲ ክወሃሃዱን ተመኩሮታት ብምልውዋጥን ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኔሩ። ብተወሳኺ ብዘይ-ሕጊ ምእሳር ዝኽልክል፥ ንማእሰርቲ ኽኣ ከም ናይ መወዳእታ መማረጺ ጥራይ ክውሰድ ዝብል ምሕጽንታታት ኣለዎ።

እዚ ቻርተር ኣብ ማራከች ታሕሳስ 10 ኣብ ዝግበር ኣኼባ ንድጋፍ ክቐርብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com