Wednesday , May 8 2024
Tomas Bergström Länsstyrelsen Jämtlands län

ብሰንኪ ምወሳኽ ዋዒ ዓለምና እምባ በረድ ይፈርስ።

ሓደ ኣብ ስካንዲናቭያ ዝርከብ እምባ በረድ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዘይንቡር ሙቐት ሓጋይ ክስበር ምጅማሩ ፒፎር ጃምትላንድ ጸብጺቡ።

ከባብያዊ ኩንታት ዝቆጻጸር ቶማስ በርግስትሮም እቲ እምባ በረድ ናብ ብዙሕ ስባራት ከም እተመቓቐለ ብንጹር ከም ዝረአ ገሊጹ። “ብሓጺሩ ፈሪሱ’ዩ” ይብል። እዚ ኣብ ዶብ ኖርዌይን ሽወደንን ዝርከብ ሳይል ዝተባህለ እምባ በረድ ካብ ከተማ ትሮንድሃይም ኣብ ቀረባ ርሕቐት እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ወቕቲ ሙቐት ሓጋይ ካብቲ እምባ በረድ ብዙሕ በረድ እናመኸኸ ወሪዱ’ሎ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ስቶክሆልም ዝሓልፋ 8 ዓመታት ዝያዳ እተን ዝሓለፋ 50 ዓመታት ኣብ እምባታት በረድ ስያልን ሄልጋስን ብዙሕ ለውጢ ኣስዒቦም ኣለዉ ኢሎም። ቶማስ በርግስትሮም ካብ ጃምትላንድ ቆንስላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስ ምውሳኽ ሙቐት ዝኽሰት ዘሎ ምምካኽ እምባ በረድ እንታይ ጽልዋ ይምዕብል ምህላዉ ዓቢ ትእምርቲ እዩ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com