Friday , April 26 2024
Bild: Christine Olsson/TT

ሓደስቲ ሽወደናውያን ንሽማግለታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝምልከት ክሕግዝዎም

መንእሰያት ሓደስቲ ሽወደናውያን፡ ከም ተሓጋገዝቲ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት ናይ ሽማግለታት ኰይኖም ኣብ አስተርሹን ክሰርሑ’ዮም። እቲ ሓሳብ፡ ናይ’ቶም ሽማግለታት ሕቶታት እናመለሱ ቋንቋ ንኽለማመዱ እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ናይ አስተርሹን ኮሙን ምስ ኤንተር ስዊድን ዝበሃል ዘይመኽሰባዊ ማሕበርን ኰይኖም ዝተግብሩዎ እዩ።

ንዲጂታል ነገራት ዝምልከቱ ሕቶታት ሓገዝ ምርካብ

ኣብቶም ርክባት፡ እቶም ሽማግለታት ንሕቶታቶም ከም ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መለለዪ ባንክ (ባንክ-ኣይዲ) ወይ’ውን ፊልም ወይ ሙዚቃ ብቐጥታት ኣብ ኢንተርነት ምክትታል ዝኣመሰሉ መልሲ ክረኽቡ እዮም። እቶም ርክባት ምሸት-ምሸትን ቀዳመ-ሰንበትን’ዮም ክካየዱ።

“ምስ ትምህርቶም ኣይክጋጮን’ዩ፡” ይብል ዮን ሰደር፡ ኣቦመንበር ምውህሃድ ስደተኛታት ኣብ ናይ አስተርሹንድ ኮሙን።

ተኽእሎታት ናይ ስራሕ ዕብየት

“እቲ ሓሳብ፡ እቶም መንእሰያት መስቶም ስራሓት እናዓበዩ ብምኻድ ናይ ስራሕ ዕድላቶም ብሰፊሑ ንምዕባዩን ሰፊህ ናይ ስራሕ ተመኵሮ ከም ዝረኽቡ ንምግባሮምን እዩ፡” ይብል ሞርተዛ ኣክባሪ፡ መርሒ ስልጠና ናይ’ቶም ሓደስቲ ተሓጋገዝቲ ቴክኖሎጂ መራኸቢታት፡ ኣብ’ቲ ዝተዘርገሓ ጋዜጣዊ መግለጺ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com