Friday , April 26 2024

ምክትታል ዶባት ተወሳኺ ቁጽጽር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ኣካየዶም።

ሓሙስ መዓልቲ ፖሊስ ምክትታል ዶባት ኣርላንዳ ዶባት ብጽኑዕ ንምቁጽጻር ተወሳኺ ጻዕሪ ኣካየዶም። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘለዎም ስሩዕ ቁጽሪ ስታፍ ተወሰኽቲ 50  ሰብ መዚ ፖሊስ ኣሳቲፎም።

ዕላምኡ ብወገን መዕረፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ኣቢሎም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ኩሎም ሰባት ዝያዳ ቁጽጽር ንምግባር እዩ። እዚ ዘድለየሉ ምኽንያት ትብል ብርጂታ እጀሚር “ብፍላይ መዓልታዊ ናብዛ ሃገር ክኣትዉ ዝፈትኑ ሰባት ነቲ ጉዳይ ኣሸጋሪ ስለ ዝገብርዎ እዩ።”

እዚ ጻዕሪ ብፍላይ ኣብ ምቁጽጻር ፓስፖርት ዘተኮረ ኮይኑ፥ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ዝተጭበርበረ ሰነዳት መንነት ንምፍላይ ንዳርጋ ንኩሎም ሸንገን ዘይኮኑ በረራታት ናይ መእተዊ ቁጽጽር ክገብር እዩ።

ብርጂታ እጀሚር ” ቅድሚ ሕጂ ዘይንገብሮ ዝነበርና ናይ ሸንገን በረራታት እውን ቁጽጽር ንገብር ኢና ” ትብል።

እዚ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ቁጽጽር ገለ ናይ ሓሶት ወረቐት መንነት ዘለዎምን ኣብ ገበን ዘለዉን ሰባት ንምሓዝ ሓጊዙ’ዩ። ብዝሒ ክሲታት ዛጊት ብጥርኑፍ ኣይቀረበን ኣሎ፥ ይኹንምበር ካብ ንቡር መዓልቲ ዝተፈልየ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ቅዱስን ዕላማ የብሎምን ኢልና ዝጠርጠርናዮም ሰባት ናይ መእተዊ ፍቓድ ከልኪልና ኢና ትብል ብርጂታ እጀሚር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com