Sunday , May 5 2024

ምምራጽ መራሒ መንግስቲ stefan löfven ቀሊል ከምዘይነበረ ተገሊጹ።

ባይቶ ሽወደን ንመራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት stefan löfven መራሒ መንግስቲ ክከውን መሪጽዎ። ቀጽሪ ዓቃባውያን ንዴሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ ክመርጹ እንከለዉ ጸጋማዊያን ሊበራላውያንን ማእከላይን ሰልፊታት ብተዓቅቦ ሓሊፎሞ ኣለዉ። ውጺኢት እቲ ምርጫ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ። 115 ድምጺ ን löfven 153 ኣንጻር löfven 77 ተዓቅቦ ኣብ ግዜ ኣኼባ ዝነበረ ኣቃውማ ሰልፊታት መራሕቲ ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ኣብ እዋን ምርጫ ባይቶ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ቀዳማይ …

Read More »

ትራፊክ ኣየር መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ናይ ስራሕ ምትእጒጓል ኣጋጢምዎ።ገለ በረራ ተሰሪዙ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ናብ ሽወደን ንዝኣትዉን ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝገሹን ብኣሉታ ክጸሉ እዩ ተባሂሉ። እዚ ምትእጒጓል ብቐንዱ ብጸገም ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዘጋጠመ እዩ ይብል ንመብዛሕትአን መዓርፎ ነፈርቲ ዘካይድ ሽወደንያ። ” እዚ ኣበር’ዚ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽላ ነፈርቲ ጥራይ ክንቅበል ኣብ ዝብል ቅመራ ክንወድቕ ቀሲቡና’ሎ።” ብምባል ሓላፊ መራኸቢታት እቲ ትካል Ulrika Vagher ምስ ኤክፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ናብ Arlanda እትኸይድ ነፋሪት ክጽበ ከድልያ …

Read More »

ደሃይ መስርሕ ምስግጋር !

ኣርሰናል ን ዴኒስ ሱዋሬዝ ብ ልቓሕ ንምስግጋር 3 ሚልዮን ፓውንድ ንምኽፈል ምስ ክለብ ባርሰሎና ኣብ ስምምዕ በጺሔን። ክለብ ኣርሰናል እንተደልያ 30 ሚልዮን ፓውንድ ብምክፋል ክትውንኖ ከምትኽእል ኣካል እቲስምምዕ ኮይኑ ኣሎ። ሓልዊ ልዳት ደቪድ ደ ሂያ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጸንሕ እንተኾይኑ ሰሙናዊ ደምዙ 350 ሽሕ ን ሰሙን ክኽፈሎ ሓቲትይ። times ኣካየድቲ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ  ን ግዝያዊ ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ሶልሻየር ብቀዋምነት …

Read More »

ኣብያተ-ክርስትያናት ሽወደን ምስ ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ተራኺቦም።

ትማሊ ሓሙስ 17 ጥሪ 2019 መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያናት ሽወደን ብዓል መዚ ሚግረሽን ቦርድ ተራኺቦም ብዛዕባ ሃይማኖቶም ዝቕይሩ ሓተትቲ ዑቕባን ምምሕያሽ ምሕደራ መርመራ ዘእትዉዎ ሕቶን ዘትዮም። ኣስማት ንእክብ፡ መግለጺ ነውጽእ ኢና ስለዚ ድማ’ዩ ምዝርራብ የድለየና ኣሎ ንብል ዘሎና። ኲሉ ዝከኣለና ንገብር ኢና። እቲ ዝበለጸ ዝእመነሉ ግና ጸሎት እዩ ይብል ዳይረክተር ጴንጠቆስጠ ዳኒኤል ኣልም። ብተመሳሳሊ ቢሮ ቆንስል ክርስትያናት ምስ ምስ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን …

Read More »

Ann Linde : ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ውዕል ብረግዚት ዳግማይ ክዝቲ እዩ ኢላ ከም ዘይትሓስብ ገሊጻ።

ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን Ann Linde እቲ ፖለቲካዊ ሕብረት ኣብ ውዕል ብረግዚት ዳግማይ ክዝቲ እዩ ኢላ ከም ዘይትሓስብ ገሊጻ። እንተኾነ ግና ብሪጣንያ መዓስ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ትወጽእ ኣብ ዝብል ግና ኣብቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ገለ ምትዕጽጻፍ ክግበር ከም ዝከኣል ወሲኻ ገሊጻ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተሬሳ መይ ድሕሪ ዝተኣትወ ውዕል ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ብሪጣንያ ከቢድ ስዕረት ከም ዝወረዳ፥ በዚ ድማ ረቡዕ …

Read More »

ጸጋማዊ ሰልፊ V ኣብ ናይ ዓርቢ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ምስታፍ ከም ዝቚጠብ ገሊጹ።

ጸጋማዊ ሰልፊ ኣብ ናይ ዓርቢ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ምስታፍ ከም ዝቚጠብን እዚ ድማ ጥሙር መንግስቲ ሰልፊታት ሓምላይን ዴሞክራሲን ንኽጣየስ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ፖለቲካዊ ምሕራም ነቲ 4 ወርሒ ዝዘለቐ ልኲት ኲነታት መንግስቲ ናይ ምውዳእ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ይንገረሉ’ሎ። ቀጻላይ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምዃን ሕጹይ ዝበዝሐ Riksdag ኣንጻሩ ከየድምጽ ምግባር ዝመሰለ ግድል ይጽበዮ። መራሒ ማሕበራዊ ዴሞክራስያዊ Stefan Löfven ካብ ሰልፊታት …

Read More »

ሰራሕተኛታት ጽሬት ኣብ መደበር ፖሊስ ብዘይሕጊ ይቚጸራ።

ኣብ ሽወደን ብዘይሕጊ ዝቕመጡ ሰለስተ ዑዝቤካውያን ዜጋታት ኣብ Arlanda ዝርከብ ናይ ጸጥታ ክሊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ቀጽሪ መደበር ፖሊስ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ክሰርሑ ተረኺቦም። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ነቚጣታት ፍተሻ ከም ቃሕትኦም ክኣትውን ክወጹን ጸኒሖም ኣለዉ። ሓደ በዓልመዚ ፖሊስ ” እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ቀጽሪቲ እንዳፖሊስ ገለ ነገር ቀቢሮም ወይ ስእሊ ኣልዒሎም ከይኮኑ ዝብል ፍርሂ ኣሎኒ” ይብል። ቅድሚ ሽዱሽተ …

Read More »

ዝኣረገ ጽሕዲ ከም መፋረይ እንቋቚሖ ዓሳታት ይኸውን።

ዝበለዩ ጽሕዲ ልደት ኣብ ምድሪቤት ቀላይ Mälaren ዓሳታት እንቋቚሖ ዝጸፍዩሎም ከስከስ ኮይኖም የገልግሉ ብምህላዎም ዳግማይ ህይወት ምዝራኦም ይግለጽ ኣሎ። ዓበይቲ ጀላቡን ሰንጠቕቲ መራኽብን ንምእንጋድ ዝተዃዕተ መርሳ ንዓሳታት ብዙሕ ምቹእ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ከተማ ስቶክሆልምን ማሕበር ኣስገርቲ ዓሳ ሽወደን ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ንዓሳታት እቲ ቀላይን ጽሕዲ ልደትን ብሓባር ንምጥቃም ዝሰርሑ ዘለዉ። “ዕምቈት ዘይብሎምን ብዙሕ እጸዋት ዝሓዙን ማያት ከምኒ ፈረኽ ዊጥን ዛንደርን …

Read More »

ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 21 ሰባት ሞይቶም።

ሶማላውያን ዕጡቓት ናብ ናይሮቢ ዝርከብ ሓደ ዓብዪ ሆቴል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ብውሑዱ 21 ሰባት ከም ዝቐተሉ መንግስቲ ምርግጋጹ ገሊጹ። ኣማኢት ሰባት ካኣ ካብቲ ደማዊ መጥቃዕቲ ንምህዳም ብሰሉስ ናብ ዱሲት ቱ ሆቴልን ናይ ንግዲ ህንጻን ከም እተዓቚቡ ተፈሊጡ’ሎ። 28 መቚሰልቲ ዘጋጠሞም ሰባት ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም 19 ግና ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ ቀይሕ መስቀል ኬንያ ገሊጹ’ሎ። ሶማል ዝደጀኑ ሶማላዊ እስላማዊ ጒጅለ ኣልሸባብ …

Read More »

ፓስፖርት ሽወደን ምውጻእ ንኽልተ መዓልታት ደው ክብል ምኻኑ ተፈሊጡ።

ጥሪ 26ን 27 ፓስፖርት ሽወደን ምውጻእ ንግዚኡ ደው ከም ዝብል ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ዘሎ ኣገባብ ክሳብ ብሓድሽ ዝትካእ እዩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ክልተ መዓልታት ዝተወድአ ፓስፖርት ወይ ወረቐት መንነት ምውሳድ ከም ዘይከኣል ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብተን መዓልታት ፓስፖርት ምውጻእ ከም ዘይከኣል ወረቐት መንነቱ ወይ ፓስፖርቱ ዝረስዐ ወይ ዘጥፈአ እንተሎ ኸኣ ክሳብ መወዳእታ እታ ሰሙን ብትዕግስቲ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com