Friday , April 26 2024
Antonio Olmos/Eyevine/TT

Ann Linde : ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ውዕል ብረግዚት ዳግማይ ክዝቲ እዩ ኢላ ከም ዘይትሓስብ ገሊጻ።

ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን Ann Linde እቲ ፖለቲካዊ ሕብረት ኣብ ውዕል ብረግዚት ዳግማይ ክዝቲ እዩ ኢላ ከም ዘይትሓስብ ገሊጻ።

እንተኾነ ግና ብሪጣንያ መዓስ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ትወጽእ ኣብ ዝብል ግና ኣብቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ገለ ምትዕጽጻፍ ክግበር ከም ዝከኣል ወሲኻ ገሊጻ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተሬሳ መይ ድሕሪ ዝተኣትወ ውዕል ብሰሉስ ኣብ ባይቶ ብሪጣንያ ከቢድ ስዕረት ከም ዝወረዳ፥ በዚ ድማ ረቡዕ ምሸት ናይ ምውጋድ ድምጺ ክወሃባ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ።

ካብዚ እንድሕር ብዓወት ወጺኣ ዘለዋ ካልኣይ ውጥን ከተፍልጥ ትጽቢት ክግበረላ እዩ።

ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሽወደን Ann Linde ናይ ሰሉስ ምርጫ ንብሪጣንያ ብሓደ ስጒምቲ ናብ “ዝኸፍአ ትዕይንተ ፍጻመ” ማለት “ስርዓት ዘይተኸተለ ምጥንጣን ኣውሮጳዊ ሕብረት” ከም ዘምጽኣ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com