Friday , April 26 2024
Johan Nilsson/TT

ሰራሕተኛታት ጽሬት ኣብ መደበር ፖሊስ ብዘይሕጊ ይቚጸራ።


ኣብ ሽወደን ብዘይሕጊ ዝቕመጡ ሰለስተ ዑዝቤካውያን ዜጋታት ኣብ Arlanda ዝርከብ ናይ ጸጥታ ክሊ ተባሂሉ ዝሕሰብ ቀጽሪ መደበር ፖሊስ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ክሰርሑ ተረኺቦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ነቚጣታት ፍተሻ ከም ቃሕትኦም ክኣትውን ክወጹን ጸኒሖም ኣለዉ።
ሓደ በዓልመዚ ፖሊስ ” እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ቀጽሪቲ እንዳፖሊስ ገለ ነገር ቀቢሮም ወይ ስእሊ ኣልዒሎም ከይኮኑ ዝብል ፍርሂ ኣሎኒ” ይብል።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ Rakhmat Akilov ኣብ ከባቢ Drottniggatan ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ይዝከር።

Akilov ኣብ ኲባንያ ጽሬት ኡዝቤክ እናሰርሐ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ እዩ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ኔሩ። እዚ ኩባንያ ኣብ ቊጠባዊ ዘርግን ምወላ ግብረ ሽበራውያን ጒጀለ ይነጥፍ እዩ ይበሃል።
ብዙሓት ሕሉፋት እስላማዊ ምንቅስቓሳት ኡዝበኪስታን ሰባት እናሰልጠኑ ናብ ዓወደ ኲናት ክልእኩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ልዕሊዚ ኲባንያ ጽሬት ተነቢሩ ዘሎ ክሲ ንሰለስተ ሰባት ብምብካል ከባቢ ከፍርዶም ክኢሉ’ሎ። ካብ ፖሊስ እተረኽበ ምንጪ ን ፕሮግራም Kalla Fakta ቲቪ 4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ በዓልመዚ ነቲ ግብረሽበራውያን ይምውሉ እዮም ዝብል ክሲ ክሳብ’ቲ ዝድለ ርሕቀት ከም ዘይደፍጻኣሉ ገሊጹ።

እዚ ዜና ዓቢ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ከም ዝጋዋሕ ይገብር ኣሎ ይብል እቲ በዓልመዚ ፖሊስ። እቲ ኣብ ግብረሽበራዊ ስራሕ እተዋፈረ Bakhtyor Umarov ኣብ ኣካዳሚ ፖሊስ ናይ ህንጻ ሰራሕተኛ ምንባሩ ይዝከር።

ምስ እዞም ሰለስተ ኡዝቤካውያን ክሳብ 12 ሚልዮን ክሮነር ብምጥፍፋእ ዝሕተት ሓደ ቺሌያዊ ዜጋ ብዘይሕጊ ክነብር ምጽንሑ ተፈሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com