Sunday , May 5 2024

400 ሸቶታት መሲ ብመንጽር ግዜ!

Read More »

ሓላዊ ልዳት ፒተር ቸክ በጃ ኢድ ክሰቅል እዩ!

ሕሉፍ ምስ ክለባት ቸልሲ ህልው ምስ ክለብ ኣርሰናል ተዘካሪ ግዜያት ዘሕልፍ ዘሎ ሓደ ካብ ቡሉጻት ሓላዊ ልዳት ዓለምና ዝኾነ ወዲ 36 ዓመት ፒተር ቸክ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ናይ ውድድር ወቕቲ በጃ ኢድ ብምስቃል ካብ ኩዑሶ እግሪ ዓለም ክፋኖ ሙኻኑ ገሊጺ። ንሱ ብተወሳኺ ኣነ ዝተረፈኒ ዋናጩ የብለይን ንኹሉ ክወንኖ በቒዔ እየ ሕጂ ግን ይኣኽለኒ ዝተረፈ መደባተይ ክሰርዕ እየ ይብል። ፒተር ቸክ …

Read More »

ብሪጣንያውያን ነበርቲ ሽወደን ካብ መጋቢት 29 ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ስራሕን መንበሪ ፍቓድ መሰል ክህልዎም እዩ።

መንግስቲ ሽወደን ብሪጣንያ ካብ ውዕል ወጻኢ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እንድሕር ወጺኣ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያውያን ነበርቲ ሽወደን ሓድሽ እማመ ከውጽእ ከም ዝኽእል ጋዜጣ Dagens Nyheter ጸብጺባ። “ገለ መውጺኢ ሜላ ይህሉ ይኸውን’ዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሎና” ክብል ጸሓፊት ኣውሮጳዊ ሕብረት Ann Lindh ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበታ ቃለ ተዛሪባ። እንተኾነ ግና ሕንፍሽፍሽ መታን ከይስዕብ ከምዚ ዝበለ ውዳበ ግድን ከድልየና እዩ” ኢላ። ብመሰረት እቲ …

Read More »

Stefan Löfven ምስ Jonas Sjöstedt ተራኺቦም ትሕዝቶ ዝርርቦም ኣይተገልጸን።

ኣብ መንጐ Stefan Löfven ከምኡ’ውን Jonas Sjöstedt ኣኼባ ከም እተኻየደን ክልቲኣቶም ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ኣኼባ ክዛረቡ ድሌት ከም ዘይብሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ፈጻሚት ሽማግለ ጸጋማዊ ሰልፊ V ትማሊ ኣኼባ ኣካይዱ’ኳ እንተነበረ ውሳኔታቱ ዛጊት ንህዝቢ ኣየተገልጹን። ምስ ኣፈኛ ባይቶ Andreas Norlin ሰዓት 10፥10 ተራኺቡ ሰልፉ ንLeuven ክትመርጽ ድያ ወይስ ኣይፋላን ኣብ ዝብል ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይድ እዩ። ጸጋማዊ ሰልፊ ከም ዝገለጾ ማሕበራዊ …

Read More »

ሽወደን ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ ቆልዑ ብምስራሕ ካብ ዓለም ብኻልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ሰሙናዊ ብሪጣንያዊ ጋዜጣ ዘ ኤኮኖሚስት ኣንጻር ጾታዊ መጥቃዕቲ ቆልዑ ካብ ዝቃለሳ 40 ሃገራት ንሽወደን ካልኣይ ደረጃ ሂብዋ’ሎ። ቀዳመይቲ እተሰርዐት ብሪጣንያ ክትከውን እንከላ ካናዳ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ’ላ። እታ መጽሄት ምዝመዛ ቆልዑ ንምውጋድ ምዕቡል ስትራቴጂ ዝኽተላ ሃገራት ብምዝርዛር ካናዳን ሽወደንን ንቆልዑ ምቹእ ኣከባቢን ናይ ሕጊ ዑቕባን ብምቕራበን ኣብ ቅድሚት ከም ዝሰርዓተን ኣፍሊጣ። እዚ ደረጃ ብመዋልነት ፓኪስታን ግብጽን ሞዛምቢክን እዩ ተኻዪዱ። እዘን ሃገራት …

Read More »

ምድማጽ ባይቶ ንሓድሽ መንግስቲ ተናዊሑ። 

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 4 ሰልፍታት ሽወደን ድሕሪ ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝተበጽሐ መንግስቲ ከቕዉም ዘኽእል ናይ ሕድገት ስምምዕ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ሓድሽ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ተተ ጸጋማዊ ወይ ከኣ ቨንስተር ሰልፊ ሽወደን ድሕሪ እቲ ድሌታትና ኣይተ|ኻተተን ብምባል መንግስቲ ንምቛም ዝሕግዝ ድምጺ ኣብ ባይቶ ከምዘይህብ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባር እቲ መስርሕ ምቛም መንግስቲ ተዓናቒፉ፣ ምህላዉን ተሓቢሩ። …

Read More »

ኢሚግሬሽን ሽወደን ንልዕሊ 5000 ትሕቲ ዕድመ መንበሪ ፍቃድ ሂቡ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደንን ዌብሳይቱን ልዕሊ 11457 ትሕቲ ዕድመ ንሓድሽ ሕጊ ካልኣይ ደራጃ ብምልዓል ናይ መንበሪ ፍቓድ ሓቲቶም ካብዚኣቶም ከኣ ዛጊት 5000 ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣሎ ኢሉ። እቲ ክፍሊ ክሳብ ሕጂ 5200 ትሕቲ ዕድመ ሕቶኦም ተቐባልነት ረኺቡሎ ኢሉ። እቲ ክፍሊ ፍርቂ ናይቲ ዝቐረብ ሕቶ ናብተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣርባዕተ ኣብያተ ፍርዲ ኢሚግሬሽን ንኽምርመር ከም ዝለኣኾ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ገና …

Read More »

ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ሓድሽ ኣብ እተሰርሐ ዶኲመንታሪ ፊልም ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ። ኣመሓደርቲ ንዋያት ማይክል ጃክሰን ነቲ ፊልም ” ቊጥዐ ዘለዓዕልን ዘሕዝንን” ክብሉ ገሊጾሞ’ለዉ። እቲ ኣላዪ ግና ” ተባዕን ተኣማንን” ካብ ዝብል መግለጺኡ ምንቕ ኣይበለን። እዛ” ምግዳፍ ነቨርላንድ” ዝተባህለት ዶኩሜንታሪ ፊልም ማይክል ጃክሰን ኣብ ዝለዓለ ደረጃን ዝናን እናሃለወ ወዲ 7ን 10 ን ዓመት ቆልዑ ደፊሩ ዝብል ትሕዝቶ እዩ ዘለዋ። ኣብ ኣመሪካን ሳንዳንስ …

Read More »

ባህላዊ ንጥፈት ምዕዛብ መጠን ጭንቀት የጒድል እዩ ክብል ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ብውሑዱ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ሲነማ ትያትርን ኤግዚቢሽን ቤተመዘክርን ዝበጽሑ ሰባት መጠን ሓደጋ ጭንቀት ብ 48 ሚእታዊት ከም ዝንኪ ተገሊጹ። ነቶም ሳሕቲ ጥራይ ባህላዊ ንጥፈት ዝከታተሉ ኸኣ እቲ ሓደጋ ብ 32 ሚእታዊት ይንክየሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ውጽኢት ን 2148 ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ንዓሰርተ ዓመታት ብደቂቕ ብምክትታል ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተረኽበ እዩ። እዚ መጽናዕቲ ብተወሳኺ ማሕበረ ቊጠባዊን ጥዕናዊን ኲነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ተዳልዩ።

Read More »

በዓልቲመዚ ኮሚሽን ጸዓት ስልጣን ብዘይኣገባብ ተጠቒማትሉ ብዝብል ክሲ ከም እተሓተት ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጸዓት ሽወደን ኢብራሂም ባኢላን ን ዳይረክተር ጀነራል መርበባት ማሕበር ጸዓት ሽወደን Ulla Sandborgh ብምጽዋዕ ብዛዕባቲ ስልጣና ብዘይኣገባብ ተጠቒማትሉ ዝብል ብጋዜጣ Dagens Nehitet ዝቐረበ ክሲ ከዛራርባ ሓቲትዎ’ሎ። እዚ ዝኸውን ጋዜጣ Dagens Nehitet እዛ ሚኒስተር Ulla Sandborgh ኣብቲ ትካል ንፍሉይ ዕላማ ክብል ስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ይጥቀም ኣሎ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምጽሓያ ነበረ። እዛ በዓልቲ መዚ ሚልዮናት ክሮነር ዝዋግኡ ኩንትራት ንናይ ቀረባ መሓዝኣ ሂባ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com