Friday , April 26 2024
JACQUES SOFFER/TT

ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ሓድሽ ኣብ እተሰርሐ ዶኲመንታሪ ፊልም ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ኣመሓደርቲ ንዋያት ማይክል ጃክሰን ነቲ ፊልም ” ቊጥዐ ዘለዓዕልን ዘሕዝንን” ክብሉ ገሊጾሞ’ለዉ።

እቲ ኣላዪ ግና ” ተባዕን ተኣማንን” ካብ ዝብል መግለጺኡ ምንቕ ኣይበለን።

እዛ” ምግዳፍ ነቨርላንድ” ዝተባህለት ዶኩሜንታሪ ፊልም ማይክል ጃክሰን ኣብ ዝለዓለ ደረጃን ዝናን እናሃለወ ወዲ 7ን 10 ን ዓመት ቆልዑ ደፊሩ ዝብል ትሕዝቶ እዩ ዘለዋ።

ኣብ ኣመሪካን ሳንዳንስ ፈስቲቫል ካኣ ተመሪቓ’ላ።

እቶም ናይ ሽዑ ቆልዑ ሕጂ ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ይርከቡ። ምስ በሰላኦም ክነብሩ ከኣ ተገዲዶም ኣለዉ” ትብል ጽማቚ ትሕዝቶ እታ ፊልም።

ዝሞተ ክሲ እቶም ሰራሕቲ ፊልም ነቶም ግዳያት ሳዕሳዓይ ዋድ ሮቢንሰንን ጄምስ ሴፍቻንክን ምዃኖም ንሮሊንግ ስቶንስ ኣረጋጊጾምሉ ኣለዉ።

ክልቲኣቶም ኣቐዲሞም ንማይክል ጃክሰን ከሲሶሞ ኔሮም እዮም፡ግና ክሶም ኣብ 2017 እዩ ተነጺጉ።

ወኪል ማይክል ጃክሰን ነታ ፊልም “ስም ብምምርሳሕ ሃብቲ ማይክል ንምምንዛዕ ዝተገብረ ዘሕዝንን ዘቘጥዕን ፈተነ” ኢልዎሎ።

“ማይክል ጃክሰን ብኸምዚ ሕሱር ኣገባብ ክኽሰስ ፋልማዩ ኣይኮነን። ጥዑያት እዮም ንብሎም ኣለይቲ ፊልም ከምዚ ክገብሩ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ” ክብል ድማ ወሲኹ ዘሊፍዎም።

ዳይረክተር ናይታ ፊልም ” እዞም ግዳያት ቁስሎም ናብ ህዝቢ ቃልዕ ንምውጻእ ዓቢ ትብዓት ኣርእዮም እዮም።

ኩሉ ዝበልዎ ድማ ሓቂ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ” ብምባል ነቲ ክሲ ክከላኸል ፈቲኑ እዩ። ኣብ 2009 ዝሞተ ማይክል ጃክሰን ብዙሕ እዋን ብምድፋር ቆልዑ ተኸሲሱ ኔሩ”ዩ።

ኣብ 2005 ከምኡ”ውን ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝነበራ ብዙሕ ሸፈነ ሚድያ ዝረኸባ ክሲታት ከም ኣብነት ይጥቀሳ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com