Wednesday , May 8 2024
JESSICA GOW/TT

Stefan Löfven ምስ Jonas Sjöstedt ተራኺቦም ትሕዝቶ ዝርርቦም ኣይተገልጸን።

ኣብ መንጐ Stefan Löfven ከምኡ’ውን Jonas Sjöstedt ኣኼባ ከም እተኻየደን ክልቲኣቶም ብዛዕባ ትሕዝቶ እቲ ኣኼባ ክዛረቡ ድሌት ከም ዘይብሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ፈጻሚት ሽማግለ ጸጋማዊ ሰልፊ V ትማሊ ኣኼባ ኣካይዱ’ኳ እንተነበረ ውሳኔታቱ ዛጊት ንህዝቢ ኣየተገልጹን።

ምስ ኣፈኛ ባይቶ Andreas Norlin ሰዓት 10፥10 ተራኺቡ ሰልፉ ንLeuven ክትመርጽ ድያ ወይስ ኣይፋላን ኣብ ዝብል ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይድ እዩ።

ጸጋማዊ ሰልፊ ከም ዝገለጾ ማሕበራዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ምስ ኣከባብያዊ ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ዘካየዶ ስምምዕ ብዙሕ ናይ የማናዊ ክንፊ ፖሊሲታት ከም ዘጠቓልልን ንጸጋማዊ ሰልፊ ኣብ ፖለቲካ ናይዛ ሃገር ምንም ተሳትፎ ከይገብሮ ምንጻልን ከም ጸርፊ ከም ዝወስዶ ይገልጽ።

ኣብ ምቛም መንግስቲ ማእከላይ ይኹን ሊበራላዊ ሰልፊ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ደጊሞም ክኽልስዎ ድሌት ከም ዘይብሎም ምግላጾም ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com