Friday , April 26 2024
Wiktor Nummelin/TT

ብሪጣንያውያን ነበርቲ ሽወደን ካብ መጋቢት 29 ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ስራሕን መንበሪ ፍቓድ መሰል ክህልዎም እዩ።

መንግስቲ ሽወደን ብሪጣንያ ካብ ውዕል ወጻኢ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት እንድሕር ወጺኣ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያውያን ነበርቲ ሽወደን ሓድሽ እማመ ከውጽእ ከም ዝኽእል ጋዜጣ Dagens Nyheter ጸብጺባ።

“ገለ መውጺኢ ሜላ ይህሉ ይኸውን’ዩ ዝብል እምነት እዩ ዘሎና” ክብል ጸሓፊት ኣውሮጳዊ ሕብረት Ann Lindh ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበታ ቃለ ተዛሪባ።

እንተኾነ ግና ሕንፍሽፍሽ መታን ከይስዕብ ከምዚ ዝበለ ውዳበ ግድን ከድልየና እዩ” ኢላ።

ብመሰረት እቲ እማመ ብሪጣንያውያን ነበርቲ ሽወደን ካብ መጋቢት 29 ጀሚሩ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ስራሕን መንበሪን ፍቓድ መሰል ክህልዎም እዩ።

እዚ እማመ ንተወሳኺ ርእይቶ ናብ ዝምልከቶም ኮሚተ ባይቶ ሽወደን ክለኣኽ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com