Saturday , April 27 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን 8 ሽሕ ስድራቤታት ናብ ሽወደን ክጥርነፋ እየን ይብል።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሽወደን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ምጥርናፍ ስድራቤት ካብ ዝቅጽል ሓምለ ኣትሒዙ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ድሕሪ ምስምምዖም፣ ብዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዝሃቦ
ሓበሬታ 8000 ስድራቤታት ኣብ ዝቅጽል 3 ዓመታት ክጣራነፋ ምኻነን ሓቢሩ።

ምፍልላይ ስድራ ኣዝዩ ሕማቕ ተርእዮ ምዃኑን ምጥርናፍ ንሰድራቤት ናይ ውሕስነት ስምዒቶም ክብ ከም ዘብሎን እውን ተገሊጹ።

ምጥርናፍ ስድራቤት ኣርባዕቲአን ሰልፍታት ሽወደን (ማእከላይ፥ ከባብያዊ፥ ሊበራላውን ዴሞክራስያዊ ማሕበርነታዊን ሰልፊታት) ብሓባር ዝተሰማምዓሉ ኣርእስቲ እዩ። 

ብመሰረት ቅመራ ባይቶ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣስታት 8 ሽሕ ስድራቤታት ኣብ ዝቕጽል ሰለሰተ ዓመታት ናብ ሽወደን ክጥርነፋ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com