Thursday , May 2 2024

ፖሊስ ሽወደን መጠንቀቅታ ይህቡ።።

ሰባት ብ SMS ካብ ዝመጾም መልእኽቲ ክጥንቀቑ ፖሊስ ሽወደን ኣተሓሳሲቦም።

በዚ መገዲዚ ኣቢሎም ጒሒላታት ናይ ሰባት ብሕታዊ ሓበሬታ ንምርካብ ምትላል ይፍጽሙ ምህላዎም ከኣ ገሊጾም።

ሒድት መዓልታት ቅድሚ ምስዳድ ሓበሬታ ኣታዊ በዓልመዚ ቀረጽ ንዂሎም ብዕድመ እኹላት ሽወደናውያን ዝርዝራት ዓመታዊ ኣታዊ: ዝኽፈል መጠንን ካልእን ዝምልከት ናይ ፖስታ ወይ ኢሜይል መልእኽቲ ክሰድድ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ።

ስለዚ ድማ ካልእ ዝመጾም መልእኽቲ ክስርዝዎ ተላብዮም።

“ዓመታዊ ናይ ኣታዊ ፍቓድ ናብ ዜጋታት ምስ ዝለኣኹ እዞም ጒሒላታት ናብዞም ዜጋታት ካብ IRS ገንዘብ ክወስዱ ከም ብሓሶት ብምሕባር ኣድራሻኦም ይቕበልዎም” ትብል በዓልመዚ ፖሊስ Lotta Moritzson።

በዓልመዚ ቀረጽ ንኣታዊ ዝምልከት ናይ ኢሜይል መልእኽቲ ከም ዘይሰድድ ቅድሚ ሒድት ዓመታት መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ኔሩ።

ከምኡ ዝበለ መልእኽቲ እንተምጺእኩም ፈጺምኩም ኣይትኽፈትዎ። ብቕጽበት ሰርዝዎ። ድማ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com