Saturday , May 4 2024

ሃገራት ኤውሮጳ ንዩክሬን ወተሃደራዊ ሓገዝ ይቕጽላ

(Stefanie Loos/Pool Photo via AP)

ኩለን 27 መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንዩክሬን 50 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ንምሃብ ተሰማሚዐን። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ሓድሽ ምወላ ብሓጎስ ከም ዝቕበል፥ እዚ ምወላ ንቁጠባውን ፋይናንሳውን ምርግጋእ እታ ሃገር ዘሐይል ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ሚኒስትሪ ቁጠባ ዩክሬን ኣብ ዝመጽእ መጋቢት ፈላማይ ክፋል እዚ ገንዘብ ክረክብ ትጽቢት ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ከምቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳ ዝገበሮ፥ ሕጂ’ውን ነቲ ፓኬጅ ክዓግቶ ይኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ነይሩ እዩ። ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ቪክቶር ኦርባን፡ ነቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዳግማይ ክሓስበሉ ከምዝደሊ ብምግላጽ፡ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ንኪየቭ ገንዘብ ንምውፋይ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሕቶ ኣእትዩዎ ነይሩ እዩ። እቲ ፓኬጅ ኣብ ዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ጡረታ፡ ደሞዝን ካልእ ወጻኢታትን ንምኽፋል ዝሕግዝ ክኸውን እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እታ ንኪየቭ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ደገፍ እትህብ ሃገረ ኣሜሪካ ንዩክሬን – እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ብኮንግረስ ኣብ ዝትመነሉ ዘሎ እዋንዩ። ንዩክሬን ዝኸውን ሓድሽ ፓኬጅ ሓገዝ ንምስምማዕ ናይ ኩለን 27 ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብሙሉእ ድምጺ ደገፍ ዘድልዮ ኮይኑ፡ ሃንጋሪ ዘለዋ ድምጺ ቬቶ ክትገብር ክኢላ ነይራ እያ። እቲ ስምምዕ ብዛዕባ እቲ ጃኬጅ ዓመታዊ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድሕሪ ክልተ ዓመት ክካየድ ዘጠቓልል እዩ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንሮይተርስ ሓቢሮም ኣለዉ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ ኤክስ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪታ "ንኤውሮጳ ናይ ደስ ደስ መዓልቲ እዩ ኢላ’ላ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብወገኑ እቲ ውሳነ ብኹሎም 27 መራሕቲ ሃገራት፡ ነታ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ብሩስያ ዝተወረረት ዩክሬን ብስሙር ከም ዝድግፉ ዘርኣዩሉ እዩ ክብል ምስጋናኡ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com