Wednesday , May 8 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ሃገራዊ ኩባንያ ባቡር ምድሪ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝግበር ጒዕዞ ክውስኽ ይውጥን።

ሃገራዊ ባቡር ምድሪ ሽወደን ብመሰረት ዝመጾ ጠለብ ናይ ወጻኢ መገሻታት ክምዝግብ ምውጣኑ ንተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ኲባንያ ብሰንኪ ዋሕዲ ጠለብን ዋሕዲ መኽሰብን እዩ ቅድሚ ናይ ስግር ባሕሪ ጒዕዞ ንሒደት ዓመታት ወዚፍዎ ጸኒሑ።

ኣብ ቀረብ እዋን “ዲጂታላዊ ፍታሕ” ሒዙ ክመጽእ ምዃኑ ድማ ገሊጹ’ሎ።

“እዚ ፍታሕ ኣጠቓላሊ ኣይኮነን፡ ግና ምዝገባ ዘሳልጥ ስርዓት ክነተኣታቱ ኢና” ብምባል በዓልመዚ መራኸቢታት እቲ ኲባንያ Toby Lundell ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ሓያሎ ኩባንያታት ባቡር ምድሪ ምስዚ ሓድሽ ስርዓት ዝላገቡ እኳ እንተኾኑ ኣብ ትሕቲ ምሕዛእን ምዝገባን ሃገራዊ ባቡር ምድሪ ከም ዘይዓዩ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ ድማ ምሉእ ጒዕዞ ንኽግበር ናይ ፈለማ ስጒምቲ ክኽውን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

መርበብ ባቡራት ምድሪ ኣውሮጳ ሰፊሕ ምዃኑን ኣዝዮም ህቡባት ንዝኾኑ ከምኒ ፈረንሳ፥ ጣልያንን ጀርመንን ዝበሉ መዓልቦታት ምዝገባን ሕዛእቲን ስሉጥ ክገብሮ እዩ ትብል ሉንደል።

ኣብ ፈለማ ሰሙን መጋቢት ዝያዳ ሓበሬታ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com