Monday , May 13 2024

ሊባኖሳዊት ሃይፋ ዋህቤ ተዓዋቲት ባህላዊ ፈስቲቫል ዮተበሪ ኮይና!!

ሊባኖሳዊት ኮኾብ ሃይፋ ዋህቤ ኣብ ናይ ሎም ዓመት ፈስቲቫል ቀንዲ ዕድምቲ ክትከውን እያ። “ሽቶኣዊ ወፍሪ ብምግባር ካብ ህዝቢ ዓረብ ንመጀምርታ ግዜ ሰባት ክንስሕብ ክኢልና ኣሎና” ክብል ዳይረክተር እቲ ስርሒት ታሶ ስራቨልደስ ንቴለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።

እዚ ዓረባዊት ኮኾብ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሳተፉሉ ዘለዉ ፈስቲቫል እዩ። እዚ ፈስቲቫል ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ዝሳተፉሉ ኮይኑ ማሕበረ ኮም ዓረብ ሽወደንን ሽወደናውያንን ይጽንብልዎ። ብመሰረት ዳህሳስ ባህላዊ ፈስቲቫል ጉተንበርግ ናብዚ ባህላዊ ፈስቲቫል ዝመጹ ሰባት ኣብ 2017 ብ 11 ሚእታዊት ጐዲሉ ኔሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com