Saturday , May 4 2024
Johan Nilsson / TT

ሓንቲ ሰበይቲ ብሓድሽ ኣገባብ ካብ ኤች.ኣይ.ቪ ድሒና ::

ሓንቲ ሰበይቲ ዕትብቲ ደም ምትካል ዘጠቓልል ሓድሽ ሜላ ተጠቒማ ካብ ኤች. ኣይ. ቪ.

ካብ ሕማማ ዝሓወየት ሳልሰይቲ ሰብን እታ ቐዳመይቲ ሰበይትን እያ ። እተሓዋወሰ ዓሌት ዘለዎ ሰብ ንፈለማ ግዜ እዩ ሓውዩ ።

ካብቲ ቕድሚኡ ኣብ እተገብረ ኽልተ ዕዉት ሕክምና ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ንምትካል ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሱር ዋህዮታት ዕትብቲ ደም ብቐሊሉ ኺርከብ ይከኣል እዩ ። ብዘይካዚ እቲ ኻብ ዕትብቲ ዚመጽእ ደም ልክዕ ከምቲ እቶም ኣንጕዕ ዓጽሚ ዚትክኡ ሱር ዋህዮታት ምስቲ ተቐባሊ ብልክዕ ኪወዳደር ኣየድልን እዩ ።

እዛ ብዘይካ ኤች.ኣይ. ቪ ብሕማም ሉኪምያ እትሳቐ ዝነበረት ሰበይቲ፣ ነቲ መንሽሮ ንምሕካም ዕትብቲ ደም እዉን ተዋሂብዋ እዩ ። እቲ ደም ካብቲ ብኸፊል ምስታ ሰበይቲ ዚመሳሰል ዓሌት ዘሎዎ ወሃቢ ከምዝመጸ፣ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ። 

 ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ዚህቡ ሰባት ከተናዲ ኸለኻ ብእተኻእለ መጠን ምስቲ ተቐባሊ ካብ ዝመሳሰል ዓሌት ወሃቢ ምርካብ ልሙድ ከምዝኾነ ይሕበር።

ብመሰረት ተመራመርቲ ከምዝበልዎ ድሕሪ እዚ ዕዉት ምድሓን ሂወት እዛ ሰበይቲ ፣ ኤች. ኣይ. ቪ ንምፍዋስ ኣገዳሲ ስጕምትታት ከም እተወስደ ተመራመርቲ ኣወንታዊ ተስፋ ተነቢሩ ከምዘሎ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com