Wednesday , May 8 2024

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኒኤል ሳህለ በይንኻ ምንባር (The Lone Wolf)

ኣሪስቶትል እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ፡ ንሰብ ከም ማሕበራዊ እንስሳ ገይሩ ይጠቕሶ። ሰብ ንበይኑ ኪነብር ኣይክእልን’ዩ ማለቱ እዩ። ባሕታውያን ርእዩ ዘይፈልጥ ኮይኑ ደኾን ይኸውን?

ኣሪስቶትል ከምዚ ምባሉ ግን፡ ናይ ወድሰብ ሓፈሻዊ ባህርያት ከመልክት ስለ ዝደለየ ደኣምበር ጠፊኡዎስ ኣይመስለንን። ስልጣኔ ንኺመጽእ፡ ወድሰብ ከኣ ብሓሳብን ብግብርን ንኺምዕብል፡ ማሕበራውን ሓባርውን ናብራ ግድን እዩ። ንበይንኻ ነቢርካ እተፍርዮ ነገር የልቦን።

ኩሉ ሰብ ግን ሕደ ኣይኮነን። ካብ ሰብ ተፈልዩ ንበይኑ ምንባር ዚመርጽ ሰብ ከም ዘሎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ብኣንጻሩ ድማ ብዘይ ሰብ ወይ ብዘይ ጫውጫው፡ ህይወት ከስተማቕር ዘይክእል ሰብ ኣሎ። እዚ ኹሉ ካብ ኣተዓባብያ፡ ካብ ክትቘጻጸሮ ዘይትኽእል ውሽጣዊ ድፍኢታት፡ ካብ ምሒር ማሕበራዊ ማህሰይቲ፡ ሰብ ካብ ዘይምእማን፡ ብንእሽቶኻ ካብ ዝወረደካ በደላት፡ ወዘተ. ኪኸውን ይኽእል።

ገለ ሰባት’ውን ብምኽንያት ናይ መንፈሳውነት ዝንባሌ በይኖም ምስ ኣምላኾም እናተረዳድኡ ኪነብሩ ዚደልዩ ኣለዉ። ንኣብነት ባሕተውቲ፡ ወይ’ውን ፈለስቲ።

ቀደም ነኣሽቱ ከሎና፡ ባሕተውቲ ቈጽሊ እናበልዑ እዮም ዚነብሩ ይብሉና ነይሮም። ክንርእዮም ምስ እንሓትት ከኣ፡ ሕቡኣን ብምዃኖም ኣይረኣዩን እዮም ንብሃል ኔርና።

ገለ ሰባት’ውን ካብ ንእስነቶም ብሑት ናብራ ዚመርጹ ኣለዉ። በይንኻ ምኻድ፡ በይንኻ ምቕማጥ፡ በይንኻ ምብላዕ፡ በይንኻ ምድቃስ ወዘተ..

በይኑ ዚበልዕ በይኑ ይመውት፡ ዚብል ናይ ኣቦታትና ምስላ ግን፡ ንብዙሓት ምስ ሰብ ከም እንሕወስ ገይሩና።

ሓንቲ ኣረጊት ሰበይቲ ነይረን ጐረቤትና። ጨና ሰብ ኣይፈትዋን፡ ድሙ ግን ነይራተን። ቡን እተሳትየን፣ ከልቢ’ውን ነይሩወን። ነቲ ጋዕገልጠመን ዝሕልወለን፡ ሽታ ክትኰነክን እያ ተባሂላ ከም ገጸ በረኽት ዝተዋህባኣ ጓል ሓፍተን ከኣ ነይራተን። ግን ነዊሕ ከይጸንሐት ሰጒገንኣ።

ካብቲ ሕብረተሰብ ዳርጋ ንጽልቲ እየን። ኩሉ ነገር በይነን እየን ዚገብራኦ። ኩሉ ብምስጢር እዩ ዚተሓዝ። ውሽጢ ገዝአን ርእዩዎ ዚፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ምስ ሞታ ግን እተን ንውሽጣዊ ናብራአን ኪርእያ ሃረር ዚብላ ዝነበራ ኣንስቲ፡ ንሓዘን ምኽንያት ብምግባር፡ ንኹሉ ናብራን ትሕዝቶን ናይተን መዋቲት ሰበይቲ ጽቡቕ ገይረን ገላቢጠን ርእየንኦን ዳህሲሰንኦን። ነቲ ወረታት ድማ መስተይ ቡነን ገይረንኦ።

ብሓድሓደ መገዲ ኣብ ኤውሮጳ ከም ናይዘን ሰበይቲ ናብራ ዚነብሩ ብዙሓት ሳየንሰኛታት ነይሮም ይብሃል። ካብዛ ዓለም ኪፍለዩ ከለዉ ግን ገለ ንወድሰብ ዘርብሕ ነገራት ገዲፎም እዮም ከይዶም። ከም ኣብነት፡ ታሪኽ ናይቲ ሃይድሮጅን ዝዳህሰሰ ሀንሪ ካቨንዲሽ ትዝ ይብለኒ።

ገለ ሰብ፡ ይትረፍዶ ንበይንኻ ምንባር፡ በይንኻ ዚኽየድ’ውን ኣይመሰሎን። ብዘይ ሰብ ወይ ድምጺ ሰብን ጫውጫውታን፡ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ኪነብሩ ዘይክእሉ ሰባት ኣለዉ። እዚ ንርእሱ ሕማም እዩ። እቲ ናይ ሓቂ ብሱል ዚብሃል ሰብ (ማለት ብምስትውዓልን ብስምዒትን) እቲ ንበይኑ ይኹን ኣብ መንጎ እኩባት ሰባት ይኹን መኣዝኑ ዘየጥፍእ ሰብ እዩ።

ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ትኹን በይንኻ ክትከውን ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ብስለት የብልካን ማለት ከም ዝኾነ ብምሁራን ስነ-ልቦና ኣረጋጊጾምልና እዮም።

ይኹንምበር፡ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ንብዙሕ ዓመታት ምንባር፡ ናብ ጽላለ ከድህበልካ ይኽእል እዩ፡ ከመይሲ፡ እቲ ምስ ሰብ ኴንካ ከተማዕብሎ ዚግበኣካ ናይ ሰብኣዊ ርክባት ባህርያት፡ ቀስ እናበለ ስለ ዚሃስስ።

ጃፓን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተሳዕረት፡ ሓደ ኣብ ጫካታት ተሓቢኡ ዚዋጋእ ዝነበረ ጃፓናዊ ወትሃደር፡ ጃፓን ክትሰዓር ኣይትኽእልን እያ ብምባል ነቲ እተወደአን ናይ ሰላም ውዕል እተፈረመሉን ውግእ ንበይኑ ን28 ዓመታት መኪቱዎ። ማለት ቀትሪ ኣብ ድፋዕ ይድቅስ፡ ለይቲ ድማ ነቶም ዘየለዉ ጸላእቲ ኪሃድኖም ይሓድር።

ሓደ መዓልቲ ገለ ሰባት ኣብ በረኻ ከዕወንውን ረኺቦምዎ፡ ስዕረት ጃፓን ኣእሚኖም ናብ ዓዱ ምስ መለሱዎ፡ ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ ናብቲ ዝነበሮ ጫካ ኪምለስ ሓቲቱ። ተፈቒዱሉ ድማ። ድሕሪ 28 ዓመታት በይንኻ ምንባር፡ ምስ ሰብ ተሓዊስካ ምንባር ኣይከኣልን። ዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ንኸንቱ! ገለ ናይ ኣእዋም ወይ እንስሳታት መጽናዕቲ ኣካዪዱ ደኾን ይኸውን?

ኣብ እንስሳታት እንተ ተመልከትና፡ ነብሪ በይኑ ኪነብር ከሎ፡ ኣህባይ ግን ብጉጅለ እየን ዚነብራ። ይኹንምበር፡ ነብሪ በይኑ ይኹን ወይ ምስ ካልኦት ተጸምቢሩ፡ ህበይ ድማ በይና ትኹን ወይ ብጉጅለ፡ ከምጽኡዎ ኣተመደበሎም ስልጣነን ምዕባለን ስለ ዘየልቦ፡ ዘዘዋጽኦም እንተ ገበሩ ኣይበደሉን። ሰብ ግን፡ ኪምዕብልን ኪስልጥንን ስለ እተፈጥረ (ይመስለኒ ንኣይ)፡ ከይሓበረ ድማ ኪምዕብል ስለ ዘይክእል፡ ብሕብረት ኪሰርሕን ኪነብርን ግድን እዩ።

ይኹንምበር፡ በይንኻ ምንባር ትርጉም ዚህሉዎስ ቁምነገር ምስ እትሰርሕ ጥራይ እዩ። ባሕታዊ ኴንካ ኣብ በረኻ በይንኻ ምንባር፡ ነቲ ሕብረተሰብ እንታይ መኽሰብ የምጽኣሉ? ግን ኣብ ኣድባራት ኴንካ መጻሕፍቲ ምትርጓምን፡ ታሪኻትን ቅርስታትን ምዕቃብን፡ ንዓለም ዓቢ መኽሰብ እዩ። እዚ ድማ፡ በቶም ኣብ ማእከላይ ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ፈለስቲ (ካቶሊካውያን) ተመስኪሩ እዩ። ብቕንዕና እትገብሮ ኩሉ ስራሕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ጸሎት እዩ ዚቝጸር፡ ይብሃል።

ብመንጽር’ዚ ድማ፡ ውሑዳት ሊቃንውቲ፡ ካብ ሰብ ተፈልዮም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ንዓለም ዘርብሕ ብዙሕ ነገራት ፈልሲፎምን፡ ጽሒፎምን ሓሊፎም እዮም።

በይንኻ ምዃን ኣይጽላእን። ብሑት ህይወት እናሕለፍካ፡ ንከባቢኻ ገለ ከየበርከትካ ካብዛ ዓለም ምሕላፍ ግን፡ ዳርጋ ከም ዘይተፈጠርካ እዩ። እታ ዘይተፍሪ ተኽሊ፡ ተቘሪጻ ናብ ሓዊ እያ እትድርበ።

በእምሮኻ ኮነ፡ ብጽሑፋትካ ወይ ብምህዞታትካ ተሓቢእካ ኮነ ወይ ኣብ ናሕሲ ደዪብካ ንሕብረተሰብ እትገድፈሉ ዝኾነ ይኹን ኣበርክቶ፡ ንዓለም ንቕድሚት ክትጐዓዝ ከም ዚሕግዛ ኣይትረስዕ።

እቲ ሕቶ፡ በይንኻ ምንባርን ወይ ዘይምንባርን ዘይኮነስ፡ ንህዝብኻን ንሃገርካን ንዓለምን እንታይ ጭቡጥ ነገር ኣበርኪትካ ሓሊፍካ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com