Tuesday , May 7 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. መሰል ወድሰብ ….ካልኣይ ክፋል

ኣብ 17/18 ክፍለዘመን ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ: መለኮታዊ መሰል ነገስታት (Divine right theory) ዚብል ኣብ ሃይማኖት እተመርኮሰ ሓሳብ ወይ ንድፈሓሳብ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝፍጸም ዝነበረ ኣንጻር ህዝቢ ዝዓለመ ግፍዒ መሰረት ኮይኑ ነበረ። ንጉስ ብኣምላኽ እተመዘዘ ብምዃኑ ዝሓቶ እንተሎ እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ደኣምበር ሰብ ኪሓቶ ኣይክእልን ነበረ። ብሓጺሩ: ሰማይ ኣይሕረስ ንጉስ ኣይክሰስ ከም ማለት እዩ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ነዚ ንድፈሓሳብዚ ገለ ከየጕደለ እተጠቐመሉ መራሒ: እቲ ብ17 ክፍለዘመን ዝነበረ ሉዊ 14 እተባህለ ናይ ፈረንሳ ንጉስ እዩ። ንሱን ብድሕሪኡ ዝመጹ ነገስታት ፈረንሳን ስልጣኖም መለኮታዊ ምዃኑ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ (ጥቕሲ ከኣ ብሓቂ ረኺቦም እዮም): ኣብ ህዝቦም ሓፍ ዘይብል መከራ ኣውሪዶም እዮም።
ኣብ 18 ክፍለዘመን ብናይ ሓድሓደ ፖለቲካውያን ፈላስፋታት: ናይ ማዕርነት ወይ ናይ ወድሰብ መሰረታዊ መሰላት ዚገልጽ ሓሳባት እንተ ዘይቃላሕ ነይሩ: እቲ ንኣመሪካ ብ1776 ደሞክራስያዊ መስመር ከም እትኽተል ዝገበራን: እቲ ንፈረንሳ ብ1789 ካብ ንጉሳውነት ናብ ረፑብሊክ ክትሳገር ዘኽኣላን ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ሰውራ ኪካየድ ኣይምተኻእለን። ኣብ ኣመሪካ ድማ ንጉስ ጆርጅ ዋሺንተን 6ይ: ኣብ ፈረንሳ ኸኣ ንጉስ ሉዊ መበል 25 ዚብሃሉ
መራሕቲ ምረኣና ኔርና። እዚ ኣብዚ ዘመንና ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን (ብፍላይ ድማ ኣብ ስካንዲናቭያን ሃገራት) ኣብ ወድሰብ ዚዝውተር ዘሎ እተፈላለየን ተዛማድን መሰላት ድማ ግሁድ ኣይምኾነን።
ንምዃኑ ኣብተን ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት ዚኽተላ ሃገራትዶ ኣይኮነን ናይ መሰላት ምግፋፍ ብብዝሒ ዚረኣይ ዘሎ? ዝኾነኾይኑ እስከ ከም ኣብነት ነቲ ኣብዚ ዘመንዚ ኣብ ንቕሓት ደቂሰብ ዓቢ ቦታ ሒዙ ዘሎ መሰል ዚብል ኣምር ሒዝና ናብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ንእቶ። እቲ መራሒ ብቐዳምነት ፤ መሰል እንታይ ማለት እዩ? ብምባል ክንገልጸሉ ምሓተተና ። ንሕና ኸኣ: እዚ ኹሉ ኣብ ኲናት ዚኣቱ ዘሎ ዜጋ ስለምንታይ ናይ ምምሃር: ናይ ሓዳር ምግባር: ናይ ምንቅስቓስ: ናይ እምነት: ናይ ምሕታት: ናይ ምቅዋም: ናይ ማዕርነት ወዘተ. መሰሉ ዘይሕለወሉ ብምባል ዕቃበታትና ምገለጽናሉ። እዚ ድዩ መሰል: እዚ ደኣ ምዕራባውያን ንሃገራት ኣፍሪቃ ንምዕናው ዚዝርግሓኦ ናይ ነዮኮሎኒያሊዝም ፕሮፓጋንዳ እንድዩ: ብምባል ከኣ ኣብቲ ስዉር ኣብያተ ማእሰርቱ ምዳጎነና።
ሓቁ እዩ፡ እምባገነን ምስ ዚነግስ: እቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ቃሕ ዝበለካ ምግባር መሰል ናቱ ደኣምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን። ብዓሚቝ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን እተበጽሐ ናይ ወድሰብ መሰል ኣምር: ኣብ ኣእምሮ ውልቀመላኺ ቦታ የብሉን።
እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓርገጽ ነተን ንኣስናኑ ኪስቕስቓ (ከገልግላኦ) ቀጻሊ ዝመጻ ኣዕዋፍ በብሓደ ኪቖራጥመን እንተ ወዓለ ግዲ የብሉን። ናቱ መሰል ንኺበልዐን እዩ: ናተን መሰል ከኣ ኪበልዓ እዩ።
በዚ መገድ’ዚ ልምዲ ብቐሊሉ ስለ ዘይገድፈካ፡ ገለ ፍጡር ድማ ብባህርያቱ መግዛእትን ውርደትን ዘይጸግብ ብምዃኑ፡ እተን ኣዕዋፍ ኪመላለሳን ኪብልዓን ምነበራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com