Tuesday , May 7 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. መሰል ወድሰብ ….ቀዳማይ ክፋል

ንምዃኑ ወድሰብ: መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ? ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥር ዝኸኣለ። ናይ ባዕሉ መሰል።

መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ ይብል ነይሩ። ሻማን ዚብሃሉ መራሕቲ ማሪታዊ ሃይማኖት ድማ እቲ መራሒ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ምሉእ ናይ ምንባርን ምግባትን ምዝራፍን ምእስራን ምቕታልን መሰል ከም ዘለዎ ገይሮም ንህዝቢ የእምኑ ነይሮም። በዝን ክንድዝን ድማ እቲ በዓልስልጣንን እቶም ካህናቱን ነቲ ህዝቢ ከም ዘይናቶም ብምርኣይ ከም እንስሳ ዘቤት ገይሮም ይመርሑዎ ነበሩ።

ኣብ ፍጥረት: ሓይሊ ደኣምበር መሰል ዚብሃል ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። ግን ምናልባት እቲ በዓል ግዜ ወይ በዓል ስልጣን: ከምዚ እንተ ገበርካ ከምዚ ክትረክብ ኢኻ ይብለካ ነይሩ ይኸውን። ነቲ ንሱ ዚገብረልካ ድማ ከም መሰልካ ጌርካ ትወስዶ ኔርካ። ግን ንሱ ልዕሊ ሕጊ ድማ ስለ ዝኾነ: ውሕስነትሲ ኣይነበረካን።

ሓርገጽ: በሊዑ ምስ ጸገበ ኣብ ገምገም ርባ ኾይኑ ድማ ጸሓይ ይጽሎ። ኣብ ኣስናኑ ናይቲ ዝበልዖ ስጋ ተረፍመረፍ ኣሎ። ከልግሶ ይደሊ እዩ ግን ኣይክእልን። ኣፉ ሃህ ኣቢሉ ይጽበ: ከመይሲ ነዚ ስራሕዚ እተከናውን ዑፍ ከም ዘላ ስለ ዚፈልጥ። ንሳ ኣብ መንጎ ክልተ ምንጋግኡ ኣትያ ከም መሰቕሰቕ ስኒ ብምዃን ነቲ ተረፍመረፍ ስጋ በብሓደ እናለቐመት ትበልዖ። ምስ ወድአት ድማ ነፊራ ትኸይድ። እቲ ሓርገጽ እንተ ዝደሊ ኣብ ውሽጢ ኣፉ ኸላ ምቖራጠማ: ግን ተድልዮ ስለ ዝኾነት ንሒፉዋ።

እታ ዑፍ ምናልባት ትሓስብ ነይራ እንተ ትኸውን: ነቲ ስጋ ምብላዕ መሰለይ እዩ ምበለት ነይራ። እቲ ሓርገጽውን ብወገኑ: ብዑፍ ክግልገል መሰለይ እዩ ይብል ይኸውን። ግን እዚ ኹሉ: ከም ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ። ኣብ ግምባሮም እተጻሕፈ ናይ መሰላት ዓንቀጽ የሎን። እምበኣር መሰል ኪብሃል ከሎ: ተዛማድን ድልዱል መሰረት ዘይብሉን ተነቃፍን ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባእን።

ወድሰብ ኣብ ግንባሩ እተጻሕፈ ናይ መሰል ዓንቀጻት የብሉን። መንግስትን ሃገርን ምስ ፈጠረን ኣንጻርቲ ዓማጺ ስርዓታት ድማ ህዝባዊ ናዕብታትን ሰውራታትን ምስ ኣካየደን: እቲ ንቕሓት ህዝቢ ድማ ብፖለቲካውያን ፈላስፋታት ክብ ኢሉ ምስ ጸንሐን እዩ ቅድሚ ሕጂ ሓሲቡዎን ዘኪሩዎን ዘይፈልጥ: እዚ መሰለይ እዩ: እዚ ግቡአይ እዩ: ዚብል ርእይቶታት ከቕርብ ዝጀመረ።

ነዚ ንምድልዳል: ገለ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝረኣኹዎም ስደተኛታት ክጠቅስ እደሊ። ዝበዝሑ መሰሎም እውን ኣይፈልጡን እዮም። እዚ መሰልኩም እዩ ኢልካ ምስ እትነግሮምውን ናይ ንቕሓት ጉድለት ግዲ ኾይኑ: ስምዒት ኣይህቦምን። ገሊኦም ድማ ስለምንታይ እዩ ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተጽሕፈት ኣንስቲ ጥራይ እንርእይ ብምባል ይገርሞም። ደቀንስትዮ ኣብ ኣብያተጽሕፈት ገበርትን ሓደግትን ንምዃን መሰል ኪህልወን ከም ዚኽእል ኣይፈልጡን።

ይኹንምበር: መሰላት ወድሰብ ንኺግፈፍ ዘለዎ ተኽእሎታት ዓቢ እዩ። ዓለም ናይቲ ዝሓየለን ዝተበላሓተን ብምዃና: መሰል ወድሰብ ድማ ታሪኻውን ማሕበራውን ኢቮሉሽናውን መሰረት ዘይብሉ ብምዃኑ: ማሕበራዊ: ፖለቲካዊ ወይ ጸጥታዊ ስግኣት ወይ ምዝንባል ኣብ ዚረኣየሉ ግዜ: መሰላት ወድሰብ ንኺገሃስ ግዜ ኣይወስድን።

 ገለ ሰባት: መሰረት ኣምር መሰል ወድሰብ: ሃይማኖት እዩ ይብሉ። ኣምላኽ ኩሉ ዚኽእልን ዚፈልጥን ሓያልን ገባርን ሓዳግን ቅዱስን ምስጢራውን ብምዃኑ: እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ድማ ብመጠኑ ኣሰር ናይቲ ዝፈጠሮ ባህርያት ስለ ዘለዎ: ሰብ ክቡር እዩ: ኣብዛ ዓለም ድማ ክብሩ ተሓልዩሉ ኪነብር ይግባእ ዚብል ርእይቶ ኣለዎም። ነዚ መሰላትዚ ምግፋፍ ድማ ምግፋፍ ክብሪ ናይቲ ብኣምላኽ እተደኰነ ሰብ እዩ…..ይብሉ።

 ኣብዚ ርእይቶዚ: ገለ ሓቅታት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን: ግን ጠሊቕካ ምስ እትምርምሮ ካልእ ኮይኑ እዩ ዚጸንሓካ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com