Tuesday , May 7 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) ….ካልኣይ ክፋል

ኣብ ዩኒቨርስ እንተ ተመልከትና፡ ኩሉ ብሕጊ እዩ ዚኸይድ። ኩሉ ፍጥረት ወይ መስርሕ ወይ ክስተት ነናቱ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኣለዎ። ብፋሉላዊ መገዲ ዚምራሕ የልቦን። ቃሕ ከም ዝበሎ ዚነጥፍ ነገር የልቦን። እቲ ሕግታት ገሊኡ ክትርድኦ ቀሊል ኪኸውን ከሎ፡ ገሊኡ ግን እተሓላለኸ እዩ። ይኹንምበር፡ ካብቲ ሕጊ ገለ ምስ ዚጥሓስ፡ ሕንፍሽፍሽ (chaos) እዩ ዚፍጠር። ገለ ካብቲ ባህርያት ፈጣሪ ድማ፡ ሕግን ስርዓትን ቀጻልነትን እምበር ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን ኣይኮነን።
ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቀውስን (chaos) ኢዮም ዚኣምኑ ዝነበሩ። ንኣምላኽ ከም ስርዓት፡ ንጸረ-ኣምላኽ ድማ ከም ቀውሲ ወይ ሕንፍሽፍሽ ገይሮም ይወስዱዎ ነይሮም። ስለዚ ድማ ኢዮም ነቲ ወትሩ ዘስትዮምን ህይወት ዚህቦምን ዝነበረ ፈለግ ኒል ዘምልኹዎ ዝነበሩ። ፈለግ ኒል ከጥለቅልቖም ከሎ ግን፡ ቀውሲ ከም ዝነገሰ ገይሮም ኢዮም ዚሓስቡ ዝነበሩ።
ጸሓይ ትማሊ ብምብራቕ በሪቓ ጽባሕ ድማ ብምዕራብ እንተ ትበርቕ፡ ድሕሪ ጽባሕ ድማ ኣብ ሰማይ ኮይና ሸኾርተት ክትብል እንተ ትውዕል፡ በየናይ መገዲ ኢና መዓልትታና ሰሙናትና ኣዋርሕናን ክንቆጽር እንኽእል? ኣብ ሰማይ ደው ኢላ እንተ ትቕኒኸ ከም ቅጫ ኣይምሓረርናንዶ?

እቲ ናይ ዩኒቨርስ ፈጣሪ፡ እቲ ዘይፍለጥ ምንጪ፡ እቲ ንኹሉ ነገራት ዘንቀሳቕስ ፈላሚ ሓይሊ፡ ንባዕሉ ሕጊ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሕጊ ኪወጽእ ኣይክእልን። ግን ከኣ ኩሉ ዚኽእል ስለ ዝኾነ ካብ ሕጊ ድማ ኪወጽእ ይኽእል እዩ ምባል ይከኣል እዩ። በዚ መሰረትዚ ወድሰብ፡ ኣብቲ ኩሉ-ከኣልነትን ካብ ሕጊ-ወጻእነትን ኣምላኽ ብምውካስ እዩ ኣብ ተኣምራት ዚኣምን ዘሎ ክንብል ንኽእል።
ግን ድማ ብሕጊ ስነሞጎት እንተ ኼድና፡ ፈጣሪ ካብ ሕጊ ኪወጽእ ዚኽእል ካብ ኮነ፡ ንነብሱኸ ከጥፍኣ ይኽእልዶ ዚብል ሕቶ ኪለዓል ይኽእል? እቲ መልሲ ኣይፋሉን ምስ ዚኸውን፡ እቲ ፈጣሪ ክእለት ይጎድሎ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ መልሲ እወ ምስ ዚኸውን ድማ፡ ሓደ መዓልቲ ፈጣሪ ካብዚ ዩኒቭርስ ኪድምሰስ ኢዩ ማለት ኢዩ።
ገለ ናይ ስነመጎት ምሁራን ነዚ ንምምላሽ፡ ስነመጎት ኣብ ዝኸውን እምበር ኣብ ዘይከውን ነገር ኣይሰርሕን ኢዩ ይብሉ፡ ማለት፡ ስነመጎት ደረት ስለ ዘለዎ፡ በቲ ኪኸውን ዚኽእልን ኪሕሰብ ዚኽእልን ኢዩ ዚሰርሕ ማለቶም ኢዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ ነቲ ዘረባ ንምሕጻር ሓንቲ ሕቶ ከነልዕል። ስለምንታይ ኣብ ፍጥረት ተኣምራት ኣድለየ? እቲ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ዩኒቨርስ ስለምንታይ ንግዜኡ ኪፈርስ ተደልዩ? ናይ ወድሰብ ናብ ፈጣሪ ዘለዎ እምነትን ኣምልኾን ተጸጋዕነትን፡ ኣብ ምፍራስ ሕግታት ዩኒቨርስ ዚምርኮስ እንተ ኾይኑ፡ እዝስ ናይቲ ፈጣሪ ድኽመት እምበር ናቱ ሓይሊ ዘረጋግጽ ኣይመስልን።
ብሓጺሩ፡ እቲ ፈጣሪ ነቲ ባዕሉ ኣብ ፍጥረት ዝሰረጾ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ብምስባር፡ ሓይሉን ስልጣኑን ከርእይ ዚፍትን እንተ ኾይኑ፡ ኣብዛ ዓለም ድማ ኣብ ደቂሰብ ብሓፈሻ ካብቶም ኣመንቲ እቶም ተጠራጠርቲ ወይ ብጌጋ ዚኣምኑ ይበዝሑ ስለ ዝኾኑ፡ ንነፍስወከፍ ተጠራጣርን ጌጋ ኣተሓሳስባን ዘለዎ ሰብ ከም ዚኣምን ንምግባር እቲ ናይ ዩኒቨርስ ሕጊ ኩሉ ግዜ ኪፈርስ ኪነብር ማለት ዲዩ?

እስከ ህድእ ኢልና ንሕሰብ፡ እቲ ንጸሓይን እንስሳታትን ማይን ህይወትን ፈጢሩ እንብሎ ሓይሊ፡ ንምንታይ እዩ ስልጣኑ ንምግላጽን ንምርግጋጽን ነቲ ኣብ ጸሓይን እንስሳታትን ማይን ህይወትን ዝቐረጾ ሕግታት ኣብ ገለ እተወሰነ ኩነታት ከፍርሶ ዚግደድ? ርእሰ-ተኣማንነት (self-confidence) ዘይብሉ ፍጡር እዩ ንሓደ ነገር ደጋጊሙ ከእምነካን
ከርግጸካን ዚፍትን። እሞኸ ከምዚ ብምባልና ነቲ ፈጣሪ እንብሎ መለኮታዊ ሓይሊ ብኣተሓሳስባና ናብ ዝተሓተ ደረጃ ነውርዶዶ ኣየሎናን?

ንሓደ ሓኪም ኣሚንካ መብጣሕቲ ከካይደልካ ኣብቲ ናይ መብጣሕቲ ዓራት በጥ ትብል። ሓኪም ምዃኑ ስለ ዝኣመንካ ኢኻ ንናውቲ ከብድኻ ንኻራ ኣሕሊፍካ ሂብካዮ ዘሎኻ። እቲ ሓኪም ግን፡ ሓኪም ምዃኑ ንኸእምነካ፡ ዝገበሮ ሽሕራዊ ነገር የልቦን። ምናልባት፡ ሓኪም ምዃኑ ከምእነካ ኢሉ ብዙሕ ሃተፍተፍ እንተ ዚብል፡ ወይ ሰርቲፊከቱ ከርእየካ እንተ ዚፍትን፡ እቲ ኣብኡ ዘሎካ እምነት ምጎደለ እምበር ኣይምወሰኸን።
ኣብቲ ተኣምራት እንብሎ ናይ ዩኒቨርሳላዊ ምስባር ሕጊ ክንርኢ ከሎና፡ እቲ ምስባር ሕጊ ባዕሉውን ክፋል ባህርይ ናይቲ ሕጊ ደኣምበር፡ ነቲ ዩኒቨርሳላዊ ሕጊ ዚጻረር ከም ዘይኮነ ክንዝክር ይግባእ። እቲ ሕጊ ዚስበር ዘሎ፡ ኪስበር ስለ ዘለዎ ደኣምበር፡ ካልእ ምድራዊ ምኽንያት ስለ ዘለዎ ኣይኮነን። እምበኣር ንተኣምራት በዚ መገድዚ ክንርእዮ ከሎና፡ ፍሉይ ክስተት ዘይኮነስ ናይቲ ዩኒቨርሳላዊ ሕጊ ባህርይን መስርሕን ምዃኑ ንግንዘብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com