Sunday , May 5 2024

ሓያሎ ኖርወጃውያን ኣብ ቓዛ ይርከቡ

a hole in a floor is seen after six Palestinian prisoners escaped from the Gilboa prison (Israeli Prisons Service via AP) XOB101

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ፡ ልዕሊ 20 ምስ ኖርወይ ሕጋዊ ርክብ ዘለዎም ኖርወጃውያንን ፍልስጤማውያንን ክሳብ ሕጂ ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት ቓዛ ክወጹ ከምዘይከኣሉ ኣረጋጊጹ። ሰበስልጣን ኖርወይ እዞም ሰባት ናብ ግብጺ ንኽፍነው ዝገብርዎ ልዝብ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ፍረ ከም ዘይተረኽቦ፡ እንተኾነ ግና እዝም ሰባት ዶብ ክሰግሩ ከይፍትኑ ለበዋ ተመሓላሊፉ’ሎ። ኣባል እቲ ሚኒስትሪ ማሪከን ብሩስጋርድ ሃርቢትዝ ዝሓለፈ ሓሙስ ንጋዜጣ ዳግሳቪሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኩሉ ዶብ ክሰግር ዝሓሰበ ሰብ ንድሕነቱ ብዕምቆት ክሓስበሉ ንላቦ ኣለና” ኢሉ። ሰብመዚ ኖርወይ፡ እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኲናት ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣብ ጋዛ ዝተታሕዙ ኣስታት 300 ኖርወጃውያን፡ ከምኡ’ውን ሓያሎ ምስ ኖርወይ ርክብ ዘለዎም ፍልስጤማውያን ሓጊዞም እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com