Saturday , May 4 2024

ሕጊ ሓገዝ ንሞት ብኢጣልያዊ ቤት ፍርዲ ተነጺጉ::

ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ሞት ንዝደልዩ ሰባት ንኽሞቱ ዝሕግዝ ኣገባብ ንምትእትታዉ ዝቀረበ ጥርዓን ብላዕለዋይ ቅዋማዊ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ከምዝተነጸገ ንጋዜጣ ኮሪየረ ደላ ሰራ ብምጥቃስ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። እታ ጋዜጣ ኣብ ሕታማ ከምዘስፈረቶ፣ እቲ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሓገዝ ንሞት ብዝብል ምንቅስቓስ ዝቐረበ ሕቶን እማመን ካብ መሰረታዊ ቅዋም ሃገረ ኢጣልያ ብምብጋስ ከምዝወሰነ ኣፍሊጣ። 

 

እቶም ነዚ ሕቶ ሕጋዉነት ንምልባስ ተበግሶ ዝወሰዱ ሰባት፣ ናይ ልዕሊ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ድምጺ ኣኪቦም ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣ ይኹን እምበር እቲ ቤት ፍርዲ ንዉሳንኡ ምርኩስ ዝገበሮ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፣ እቲ ሕቶ ምስ መሰረታዊ መትከላት ሃገራዊ ቅዋም ኢጣልያ ስለዘይሰማማዕ ምዃኑ ሓቢሩ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com