Saturday , May 4 2024

ሕጹይ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ንኒኒስቶ ክትክእ እዩ ዝብል ግምታት ይዓቢ

ሕጹይ ፕረዚደንት ሃገራዊ ጥምረት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስታብ፡ ንፕረዚደንት ሳውሊ ኒኒስቶ ንምትካእ ዓብዪ ተስፋ ከም ዘለዎ ብ YLE ዝተኻየደ ዳህሳስ ርእይቶ ህዝቢ ኣቃሊዑ። ደገፍ ስታብ ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብኣርባዕተ ሚእታዊት ብምጒዳል ናብ 27% ወሪዱ’ኳ እንተነበረ፥ ንኻልኣይ ወርሒ ብተኸታታሊ 23% ዘምጽአን ናይ ቀረባ መወዳድርቱን ንዝኾነ ፔካ ሃቪስቶ ቀዲሙ ይርከብ ኣሎ። ጁሲ ሃላ-ኣሆ፡ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ናይቲ ጎስጓስ ዝያዳ ዕዉት ድፍኢት ከምዝገበረ፡ ተፈታውነቱ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ካብ ዝነበሮ 10% ናብ 18% ከምዝዓበየን እቲ ዳህሳስ ኣረጋጊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሃላ-ኣሆ፥ ብኽልተ ነጥቢ ወሰኽ ናብ 14% ደገፍ ብምምዝጋብ ንኦሊ ረን ቀዲሙ ሳልሳይ ዝበዝሐ ተፈታዊነት ዘለዎ ሕጹይ ኮይኑ ተቐልቂሉ’ሎ። ሃላ-ኣሆ ድሒሩ ዘጋጠሞ ምውሳኽ ኣብ ርእይቶ ብሄልሲንጊን ሳኖማት’ውን ተንጸባሪቑ እዩ። ፕረዚደንታዊ ምርጫ እዞም ሰለስተ መሪሕ ሕጹያት ብዝምልከት፥ ኣዝዩ መሳጢ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ ኣካያዲ ዳይረክተር ታሎስቱትኪሙስ ጃሪ ፓጁነን ዝሓለፈ ሓሙስ ንዋይ.ኤል.ኢ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com