Tuesday , May 7 2024
A man receives a third Pfizer-BioNTech COVID-19 vaccinein Tel Aviv, Israel (AP Photo/Oded Balilty) XOB101

መልከፍቲ ኮቪድ: ካብ ክታበት ዝያዳ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝፈጥር ተሓቢሩ

ብቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምልካፎም ዝሓወዩ ሰባት: ጸረ እቲ ቫይረስ ዘጥረይዎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ: ልዕሊ እቲ ብኽልተ እብረ: ክታበት ፍይዘር: ዝጠሪ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዝኾነ: እስራኤላዊ መጽናዕቲ ገሊጹ: ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ሕክምናዊ ጸብጻባት ብምእካብ: ኣብ መንጎኦም ዘሎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምንጽጻር ዝተረኽበ ውጽኢት ምዃኑ: እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ገሊጹ።
እዚ ድማ: ነቲ ባህርያዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ: ልዕሊ እቲ ብክታበት ክፍጠር ዝኽእል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምዃኑ፤ ዘረጋግጽ ተወሳኺ መርትዖ እዩ ክትብል ካብ ኮሌጅ ካሮሊንስካ: ሻርሎት ታይሊን: ምስ መጽሔት ሳይነስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት: ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com