Friday , May 3 2024
Credit: Sahlgrenska Universitetssjukhuset/Anders Wiklund/TT

“መንእሰያት ቅድሚ ገበን ምፍጻሞም ህዋሳት ዘደንዝዝ ሓሽሽ ይወስዱ ኣለዉ”–ፖሊስ

ኣባላት ጒጅለታት ገበን ኮይኖም ዓመጽ ዝፍጽሙ ብዙሓት መንእሰያት መዐገሲ ቓንዛ ትራማዶል ይጥቀሙ ምህላዎም ፖሊስ
ሓቢሮም። ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሳህልግረንስካ ዝርከብ ክኢላ መርዛም ባእታታት ካይ ክኑድሰን፡
ትራማዶል ነዞም ጎነጽ ዝፍጽሙ ኣባላት ጒጅለታት ገበን “ኣዝዩ ፍቱን ድራግ እዩ” ክብል ይገልጾ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት “እቲ
ክፍጽምዎ ዝእዘዙ ጎነጽ ንምክያድ ዘድሊ ምድንዛዝ ኣእምሮን ድፍረትን ስለዝህቦም እዩ” ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

 

Credit: Sahlgrenska Universitetssjukhuset/Anders Wiklund/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com