Tuesday , May 7 2024
Those travelling from Denmark to Sweden are urged to take extra care in most parts of the country (Foto; Johan Nilsson/TT)

መንግስቲ ዴኒማርክ: ነቶም ናብ ሽወደን ዝገሹ ዜጋታት: ክጥንቀቑ ተላብዩ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዴኒማርክ: ኣብ ሽወደን ዝረአ ዘሎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኮሮና ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ: ንሽወደን ካብቲ ዝነበረቶ ናይ ቀጠልያ ሕብሪ ዝርዝር (ኣቓልቦ ግበር): ናብ ናይ ብጫ ሕብሪ ዝርዝር (ተወሳኺ ጥንቃቐ ግበር) ከምዘሰጋገራ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ደቡብን ምዕራብን ሽወደን: ግን ጌና ኣብ ቀጠልያ ዝርዝር ከምዘለዋ እቲ መንግስታዊ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ትማሊ ሓሙስ: ኤውሮጳዊ በዓል መዚ ተመሓላለፍቲ ሕማማት: ንመጠን ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮሮና ምርኩስ ብምግባር: ንመላእ ሽወደን: ኣብ ዝርዝር ቀይሕ ሕብሪ ከምዘእተዋ ይፍለጥ። ነዚ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር: ሃገረ ኖርወይ: ንናይ መገሻ ሕግታታ ከምዘሐደሰት ገሊጻ ከምዝነበረትን ናብ ሽወደን ንምጋሽ ብዝምልከት ቆይሙ ዝነበረ ሕጊ ግን: ከምዘይተቐየረ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com