Tuesday , May 7 2024

ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝተራእየ ጉድለት፡ ዘሰንብድ እዩ፡ ትብል

ብበዓል መዚ ተቖጻጻሪ ሓለዋን ጥዕናን (IVO) ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ዝርከባ 98 እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝተፈጸመ ጉድለት ኣመልኪታ፡ ዘሰንብድን ዘሕዝንን እዩ ክትብል ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝካየደቶ ርክብ ገሊጻ።

እቲ ዝተፈጸመ ጉድለት፡ ዘሰንብድን ዘይቅቡልን እዩ። ዕድመ ሰብ ይኹን ኣበየናይ ክፋል ናይዛ ሃገር ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ግቡእን ምዕሩይን ዝኾነ ኣገልግሎት ሓለዋ (ምእላይ) ክረክብ ይግበኦ ክትብል፡ ሃሊንግሪን፡ ወሲኻ ትገልጽ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብ 847 ሕሙማት፡ እቶም 20%፡ ናብ ሓኪም ዘይቐረቡ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ሓኪም ብመንገዲ ቴሌፎን ዝረኸቦም ክኾኑ እንከለዉ፡ ናብ ሓኪም ብኣካል ዝቐረቡ፡ ካብ 5% ክሳብ 7% ጥራይ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ዳርጋ ብምለአን ምምሕዳራት፡ ነቲ ብበዓል መዚ ጥዕና ዝወጸ፡ ንዓበይቲ ዝምልከት መምርሒታት ኮሮና ከምዘይተኸተላ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይቲ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝተፈጸ ጉድለት ንምፍላጥ፡ ሚኒስተር፡ ክዝተየሉ ምዃኑ ሓቢራ ኣላ።

እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ንዝፈጸመኦ ጉድለት ክእርማ እንተዘይፈቲነን፡ ኣብ ኢድ IVO ክጥቀሞ ዝኽእል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስጉምቲ ከምዘለዎ እታ ሚኒስተር ኣዘኻኺራ። ክሳብ 15 ጥሪ 2021 ዘሎ ግዜ፡ እዘን ትካላት፡ ናይ ምምሕያሽ መደባተን ክጻፊፈን ክሕብራ ዕድል ተዋሂብወን ከምዘሎ ብምውሳኽ፡ ሚኒስተር ሃሊንግሪን፡ ዘረባኣ ዛዚማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com