Tuesday , May 7 2024
Foto: Beate Oma Dahle / NTB

ሚኒስተር ባህሊ ኖርዌይ ንኢንዱስትሪ ፊልምን ተዋሳእቲን እታ ሃገር ክሕግዝ እየ ይብል።

ሚኒስተር ባህሊ ኖርዌይ ኣኔት ትሬተበርግስቱወን ኣብ ዓመታዊ ስነስርዓት ኦስካር ይሳተፉ ንዘሎ ኢንዱስትሪ ፊልም ኖርዌይ ንምትብባዕ ናብ ሆሊዉድ ክትከይድ እያ ተባሂሉ። Verdens Verste Menneske (ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብ) ዘርእስታ ፊልም ኖርዌይ ኣብ እትሽለመሉ ኣጋጣሚ እትርከብ ዘላ ትሬተበርግስቱወን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እተረኽበት ፋልመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ ክትከውን እያ። እዛ ፊልም ብኽልተ ረቛሒታት–ማለት International Feature Film ከምኡውን “ዝበለጸ መበቈላዊ ጽሑፍ ፊልም” ን ኦስካር ተሓጽያ ምህላዋ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢራ’ላ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ኢንዱስትሪ ሲነማ ኖርወይ ይዕንብብ ምህላዉ ዝገለጸት እታ ሚኒስተር ኣብዚ ሽልማት ምብጽሑ ክንጽንብሎ ዝግባእ ኣጋጣሚ እዩ” ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ’ላ። እዚ ናይ ኦስካር ሽልማት ጽንብል ኣብ 7 መጋቢት ክካየድ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com