Wednesday , May 1 2024
(AP Photo/Michael Sohn) SOB104

ምሉእ ኲናት ክኽሰት ተኽእሎታት ኣሎ-ዎልፍጋንግ ኢሺንገር::

ኣብ ዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ንጸጥታ ዝመልከት ጒባኤ ዝመርሕ ዘሎ ኣቦመንበር ጸጥታ ሙኒክ ዎልፍጋንድ ኢሺንገር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን መጥቃዕቲ ክትፍኑን እዚ ድማ ናብ ምሉእ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእልን ሻቕላ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣብዘን መዓልታት ብዛዕባ ልዝን ዘተን ክሰምዕ ባህጉ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸሓፊ እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ኲነታት ምስዚ ባህጊ ዝሰማማዕ ከም ዘይኮነ ከም ዘሕዝኖ ገሊጹ። ሩስያ ነታ ኣርብዓ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ዘለዋን ህላወ ሩስያ ኣብ ሃገራ ዘይትደሊን ዩክሬይን ብሓይሊ ከንበርክኽ ኣዝዩ ብዙሕ ጸጋታት ሃገሮም ከም ዘባኽን ብምሕሳብ ነዚ ሽግር ብልዝብ ክፈትሕዎ ዝኽእሉሉ ኲነታት ክሓስብሉ እኹል ግዜ ኣለዎም ክብል እቲ ጸሓፊ ኣመልኪቱ።

እዚ ይዂንምበር ሩስያ ን ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪዬቭ ክሳብ ምጥቃዕ ዝኸይድ ወራር ከተካይድ እያ ንዝብል ከም ዝጠራጠሮ ምስ ዶቸቨለ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኣብሪሁ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com